Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ዓለም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ሽርክና ኣጠናኺሩ ከምዘቐፅል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ኩለ መዳይ ሽርክናን ምትሕብባርን ኣጠናኺሩ ከምዘቐፅል ኣፍሊጡ። እቲ ባንኪ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ እዋናዊ ኩነታት ዝጠመተ መግለፂ ሂቡ። ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ጎንፂን ድርቅን ብሚሊየን ዝቑፀሩ ዜጋታት…

ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን መገዲ ፓሎች – ማቲያንግ – ማይውት – ፓጋክ ንምህናፅ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከቲመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን መገዲ ፓሎች - ማቲያንግ - ማይውት - ፓጋክ ንምህናፅ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከቲመን። እቲ መገዲ፥ ምዕራብ ኢትዮጵያ ምስ ሰሜን መብራቕ ደቡብ ሱዳን ዘራኽብ  ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ኣብ ስነ ስርዓት መንባር ክታም…

ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሮላንድ ኮብያ ኣብ ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ዑደት ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሮላንድ ኮብያ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ዑደት ኣሳሊጡ። እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ዩኒቨርስቲ፥ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝነበረ…

ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ሳልሳይ ርባዕ ዓመት ሚኒስትራት ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ግንቦት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ሳልሳይ ርባዕ ዓመት ሚኒስትራት ይካየድ ከምዘሎ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ከምዝበልዎ፥ ኣብ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘሎ ከይዲ ንምግምጋም ብዘለና ቁርፀኝነት እቲ…

ዓለም ለኸ ትካል ምትሕብባር ትምህርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘህነፆ ቤት ዕዮ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ትካል ምትሕብባር ትምህርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘህነፆ ቤት ዕዮ ተመሪቑ። ኣብ ስነ ስርዓት እቲ ምረቓ፥ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ምስጋኑ ኣርጋ፣ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ዋና ፀሓፊ እቲ ትካል መንሱር…

ኮሎምቢያ ኤምባሲኣ ኣብ ኢትዮጵያ ክትከፈት ኢያ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ኮሎምቢያ ፍራንሲያ ማርኬዝ ዘቲየን። እቲ ዘተ፥ ኢትዮጵያን ኮሎምቢያን ብምትሕበባር ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምስራሕ ኣብ ዘኽእለን ዛዕባታት ትኹረት ዝገበረ ኢዩ ተባሂሉ። ብፍላይ ኣብ…

ኣባል ሃገራት ጉጅለ 7 ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ተወሳኺ ማዕቐብ ንምንባር ይዛተያ ኣላዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባል ሃገራት ጉጅለ 7፥ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን እትወስዶ ዘላ ስጉምቲ ደው ንክተብል ዝዓለመ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ተወሳኺ ማዕቐብ ንምንባር ኣብ ጃፓን  ሄሮሺማ ይዛተያ ኣላዋ። እተን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ምንቅስቓስ ንግዲ ሩሲያ ማዕቓብ ናይ ምንባር…

ኢትዮጵያ ካብ ላቲን ኣሜሪካን ማእኸላይ ኤሽያን ዘለዋ ርክብ ንምስፋሕ ትሰርሕ ኣላ-ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ካብ ላቲን ኣሜሪካን ማእኸላይ ኤሽያን ዘለዋ ውፅኢታዊ ስራሕ ንምስፋሕ ትሰርሕ ኣላ ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ። ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር መለስ ኣለም፥ ኢትዮጵያ ምስ ኮሎምቢያን ፓኪስታን ዘለዋ ርክብ ፖለቲካ…

ምትሕብባር ቻይና-ኣፍሪካን ንምጥንኻር ዝዓለመ ሴሚናር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምትሕብባር ቻይና-ኣፍሪካን ንምጥንኻር ዝዓለመ ሴሚናር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ ሴሚናር “ሓደሽቲ መነፅራት ቻይናን ኣፍሪካን ብምጉልባት መፃኢ ዕድል ማሕበረሰብ ቻይናን ኣፍሪካን ምህናፅ” ዘብል መሪሕ ቃል ዘለዎ ኢዩ ተባሂሉ።…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ኮሎምቢያ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ኮሎምቢያ ፍራንሲያ ማርኬዝ ዘቲዮም። ኣብቲ ዘተ፥ ክልቲኣዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ሓቢሮም ከምዝሰርሑ ኣፍሊጦም። ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዕድላት ምትሕብባር ንምስፋሕ…