Fana: At a Speed of Life!

ሰብ ኣብ ዝመረፆ ከባቢ ናይ ምንባርን ሃፍቲ ናይ ምፍራይን መሰሉ ኣብ ምርግጋፅ ኩላትና ክንሰርሕ ኣለና-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ኣዋርሕ ሎሚ መዓልቲ  ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣቕሪቦም። ብመሰረት እዚ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ኣብ እዋናዊን ሃገራዊን ጉዳይ ጠመተ ዝገበሩ ሕቶታት ቀሪቦም። ቀዳማይ ሚኒስትር…

ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዝተፈላለዩ እዋናዊን ሃገራዊን ሕቶታት የቕርቡ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ዝተፈላለዩ እዋናዊን ሃገራዊን ሕቶታት የቕርቡ ኣለዉ። እቶም ኣባላት ዘቕረብዎም ሕቶታት፥ ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ሃገርና ይኹን ክልል ኦሮሚያ ብሰንኪ ዘጋጠሙ ጎንፂታት ብዙሓት ፀገማት…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ኣዋርሕ ሎሚ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከቕርቡ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ኣዋርሕ ሎሚ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ከቕርቡ ኢዮም። እቲ ባይቶ  ኣብ ዘሳልጦ መበል 11 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብቲ ዝቐርብ ፀብፃብ ዝጠመቱ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝለዓሉ እዋናዊን…

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ምስ ተተካኢት ሴክሬተሪ ጀኔራል ሓለዋ ከባቢ ውሕመ  ኤልሳቤት ሜሪማ ዘቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ተተካኢት ሴክሬተሪ ጀኔራል ሓለዋ ከባቢ ውሕመ  ኤልሳቤት ሜሪማ ዘቲየን። ኣብቲ ዘተ፥ ኣብ ፀገማትን መፍትሒታትን ሓለዋ ከባቢ ዝጠመቱ ሓሳባት ተላዚበን። ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝነበራሉ እዋን…

ፈተና 12 ክፍሊ 2015 ዓ.ም ንዝወስዱ ተምሃሮ ምዝገባ ካብ 20 መጋቢት ክሳብ 15 ሚያዚያ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈተና 12 ክፍሊ 2015 ዓ.ም ንዝወስዱ ተምሃሮ ምዝገባ ካብ 20 መጋቢት ክሳብ 15 ሚያዚያ ከምዝካየድ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ። እቲ ምዝገባ፥ ቅድመ ሐዚ ዝረኣዩ ዝነበሩ ፀገማት ብምቕራፍ ዝሓሹ ኣሰራርሓታት መሰረት ብምግባር ከምዝካየድ ተገሊፁ።…

ካብ ህዝቢ ኣብ ዝተልዓሉ ዛዕባታት ዝጠመተ ዘተ ምስ ኣፈፀምቲ ኣካላት ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ካብ ህዝቢ ኣብ ዝተልዓሉ ዛዕባታት ዝጠመተ ዘተ ምስ ኣፈፀምቲ ኣካላት ይሳለጥ ኣሎ። ኣብ ወርሒ ለካቲት ምስ መራፂ ማሕበረሰብ ኣብ ዝተገበረ ዘተ ዝተልዓሉ ሕቶታት ልምዓት፣ ሰናይ ምምሕዳር፣ ሰላምን ድሕንነትን ከምኡውን ናህሪ…

ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ዓውዲ ግብርና ዘለወን ርክብ ንምሕዳስ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ዓውዲ ግብርና ዘለወን ርክብ ንምሕዳስ ተስማዕሚዐን። ኣምባሳደር ተፈራ ደርበው ምስ ሓላፊ ዓለም ለኸ ክፍሊ ሽርክና ሚኒስቴር ግብርና ቻይና  ኒ ሆንግሺንግ፣ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ጉዳያት ምዕራብ ኤስያን ኣፍሪካን ሊዩ ጂያንግ…

ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ሎሚ ምስ ጊኒ ክጋጠሙ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ሎሚ ምስ ጊኒ ክጋጠሙ ኢዮም። እቲ ፀወታ ሎሚ ሰዓት 4፡00 ምሸት ኣብ ስታዲየም ራባት ልዑል ሞውላይ ዓብደላ ክግበር ኢዩ። ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ብዘይካ ሚሊዮን ሰለሞን ካልኦት…

ህዝቢ ጉራጌ ንፀገማት ሃናፂ ብዝኾነ መገዲን ዘተን ዝፈትሕ ሰላም ደላዪ ህዝቢ ኢዩ- ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ህዝቢ ጉራጌ ንፀገማት ሃናፂ ብዝኾነ መገዲን ዘተን ዝፈትሕ ሰላም ደላዪ ህዝቢ ኢዩ ክብሉ  ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ዞባ ጉራጌ ምስዝተውፃእፅኡ ክፋላት ማሕበረሰብ ዘቲዮም። ህዝቢ ጉራጌ…

ሃገራዊ ሰሙን ዕድጊት ቦንድ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣሶሳ ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ሰሙን ዕድጊት ቦንድ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣሶሳ ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ። ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ፕሮጀክት ህንፀት እቲ ግድብ መበል 12 ዓመት ምንባር እምነ ኩርናዕ እቲ ግድብ ምኽኒያት ብምግባር ካብ ዘዳለዎ መርሃ ግብሪ…