Fana: At a Speed of Life!

መራሄ መንግስቲ ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልተ ሃገራት ኣፍሪካ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዝገብሩ መራሄ መንግስቲ ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም። ኣብ ዓለም ለከ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ብርቱካን አያኖ ኣቀባብላ ገይረናሎም።…

ወደብን ተርሚናልን መቐለ ናብ ኣገልግሎት ተመሊሱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ወደብን ተርሚናልን መቐለ ናብ ኣገልግሎት ከምዝተመለሰ ትካል ኣገልግሎት ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ኣገልግሎት ብሰንኪ ዝነበረ ፀገም ፀፅታ ተቛሪፁ ከምዝፀንሐ ካብቲ ትካል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ስለዝኾነ ናብ…

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ገበርቲ ሰናይ ሕቡራት ሃገራት ዘቲዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ካብኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብተወካሊት ዘይመንግስታዊ ትካላትን ኣተሓባባሪት ሰብኣዊ ሓገዝን ወድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ካትሪን ሱዚን ምስ ዝተመርሐ ጉጀለ ሓለፍቲ ዝተፈላላለዩ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ዘቲዩ። ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ…

ኣይተ ጌታቸው ምስ ጉጅለ ልኡኽ ኩባንያ ሲጂጂሲ ቻይና ዳግመ ምጅማር ህንፀት ፕሮጀክት መስተ ማይ ገረብ ግባ ዝጠመተ ዘተ ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዳግመ ምጅማር ህንፀት ግድብ ገረብ ግባ ብምድሃብ ምስ ጉጅለ ልኡኽ ኩባንያ ሲጂጂሲ( CGGC) ቻይና ሎሚ መዓልቲ ዘቲዮም። እቲ ዘተ፥ ብሰንኪ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ኲናት…

ሓዱሽ ኣዋጅ ዕደና ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዘተባብዕ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓዱሽ ዝወፅአ ኣዋጅን ብብርኪ ረቂቕ ዝርከብ ፖሊስን ዕደና ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዘተባብዕ ከምዝኾነ ተገሊፁ። ሚኒስቴር ዕደና ኣፈፃፅማ ትልሚ 2015 ዓ.ምን ኣብቲ ዓውዲ ዝረኣዩ ፀገማትን ንምፍታሕ ምስ ሓለፍቲ ክልል ተላዚቡ።…

ዑደት መራሕቲ ሃገራት ኣውሮፓ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን እተን ሃገራትን ዘሎ ርክብ ናብ ምትሕብባር ምምፅኡ ዘርእይ ኢዩ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዑደት መራሕቲ ሃገራት ኣውሮፓ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን እተን ሃገራትን ዘሎ ርክብ ናብ ምትሕብባር ምምፅኡ ዘርእይ ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ። ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር መለስ ኣለም፥ መራሄ መንግስቲ ጀርማን ኦላፍ ሹልዝ ምስ…

ክርስቲያኖ ሮናልዶ ኣብ ዓለም እቲ ዝለዓለ ተኸፋሊ ገንዘብ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ እዋን ምስ ስዑዳዊት ክለብ ኣልነስር ዝፃወት ዘሎ ፖርቹጋላዊ ኮኾብ ክርስቲያኖ ሮናልዶ፥ ካብ 2017 ዓ.ም.ፈ ኣትሒዙ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ክፍሊት ገንዘብ ዝረክብ ስፖርታዊ ከም ዝዀነ ተገሊፁ። ወዲ 38 ዓመት ሮናልዶ፥ ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኮሚቴ ማክሮ ኢኮኖሚ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኮሚቴ ማክሮ ኢኮኖሚ ዘቲዮም። ኣብቲ ዘተ እዋናዊ ኩነታት ኢኮኖሚ ምግምጋሞም ተገሊፁ። ብተወሳኺ ቀፀልቲ ተግባራት ከምዝተለለዩ ኣፍሊጦም። እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦ ቴሌግራም…

መርሃ ግብሪ ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ መርሃ ግብሪ ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ይሳለጥ ኣሎ ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል፣ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልላትን ተረኺቦም። ኣብ ቢሮ ኢንተርፕራይዝ ስራሕን ልምዓት…

ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ 589 ትራክተራት ሕርሻ ንተረባሕቲ ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ 589 ትራክተራት ሕርሻ ንሓረስቶት ሻሸመኔ ሂቦም። እተን ትራክተራት፥ ኣብ ግብርና ሜካናይዜሽን ፍሪያት ንምስሳን ዝግበር ፃዕሪ ዝለዓል ግደ ከምዘበርክታ ተገሊፁ። እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦…