Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስሎቫንያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ኣዲስ ኣበባ ኣቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዚያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስሎቫንያ ታንጃ ፋጆን ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ኣዲስ ኣበባ ኣቲየን። እተን ሚኒስትር ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሓ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ኣቀባብላ ገይረሙለን።…

ኢትዮጵያ ቡና ንወልቂጤ ከተማ 1 ብባዶ ስዒሩዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ቡና ንወልቂጤ ከተማ 1 ብባዶ ስዒሩዎ። ኣብ መበል 18 ሰሙን ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሰዓት 9፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ዝተኻየደ እቲ ፀወታ ብኢትዮጵያ ቡና ተዓዋትነት ተዛዚሙ።…

ኢትዮጵያ ብጀጋኑ ደቃ ብነፃነት ፀኒዓ ክትነብር ኢያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ጀጋኑ ውላድ ስለ ዘለውዋ  ብነፃነት ፀኒዓ ክትነብር ኢያ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይሊታት ምክልኻል ሃገርን ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም። ኣብ ትሕቲ ዋና መምርሒ ትምህርቲን ስልጠናን ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር ዝርከብ…

ምስ ዝተጀመረ ሓዱሽ ምልማድ ዝጠዓዓም ስራሕቲ ሚዲያን ኮሚኒኬሽንን የድሊ-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከም ሃገር  ምስ ዝተጀመረ ለውጢ፣  ሓዱሽ ምልማድን ኣንፈተን ዝጠዓዓም ስራሕቲ ሚዲያን ኮሚኒኬሽንን ከምዘድሊ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም። “ውፅኢታዊ ተግባር ንልዕልነት ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ቃል፥…

መርሃ-ግብሪ ምፋላጥን መተኣኻኸቢ እቶትን መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ”  ኣብ ከተማ ጋምቤላ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ-ግብሪ ምፋላጥን መተኣኻኸቢ እቶትን መፅሓፍ "የመደመር ትውልድ"  ኣብ ከተማ ጋምቤላ ተኻይዱ፡፡ ኣብቲ መድረኽ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉ፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፣ ምስ ጎና ጎኒ ከቢድ ሓላፍነትን ምምራሕ ሃገርን…

መበል 13 ምዕራፍ ውድድር ድምፃዊያን ፋና ላምሮት ሓፈሻዊ መጠን ሽልማት ናብ 1 ሚሊየን ብር ክብ ብምባል ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፋና ቴሌቪዥን ዝዳሎ ውድድር ድምፃዊያን ፋና ላምሮት ሓፈሻዊ መጠን ሽልማት ናብ 1 ሚሊየን ብር ክብ ብምባል መበል 13 ምዕራፉ ጀሚሩ። እቲ ውድድር ብሓደሽቲ ተወዳደርቲን ፍሉይ ተውህቦ ዘለዎምን ብቐጥታ ፈነወ ኢዩ ተጀሚሩ። 12 ተወዳደርቲ…

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መበል 77 ዓመቱ የኽብር ኣሎ

አዲስ አበባ፣ መጋቢት 30፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መበል 77 ዓመቱ የኽብር ኣሎ። ኩርዓት ኢትዮጵያ ዝኾነ እቲ  መገዲ ኣየር፥ ቅድሚ 77 ዓመት ኢዩ ስራሑ ብዕሊ ጀሚሩ። ኣብ ጉዕዞ ፃንሒቱ፥ ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ምስ ዓለም እናተኣሳሰረ ፀኒሑ እዩ። 141 ኣውሮፕላናት…

ሚኒስቴር ሰላም ኣብ ዝተፈላለያ ዩንቨርስቲታት ዘሰልጠኖም ወለንታዊያን ኣመሪቑ

አዲስ አበባ፣ መጋቢት 30፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ሚኒስቴር ሰላም ኣብ ኣርባዕተ ዩንቨርስቲታት ዘሰልጠኖም ወለንታዊያን ኣመሪቑ። ኣብተን ትካላት ዝሰልጠኑ 6 ሽሕን 714 ብሄራዊ ወለንታውያ መናእሰይ  ሎሚ መዓልቲ ከምዝተመረቑ ተገሊፁ። ኣብቲ ስነስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ዴኤታ ሰላም…

ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ምስ ካምፓኒ ኢንተርናሽናል ሆልዲንግ ኦሬንት ቻይና ስምምዕነት ከቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ምስ ካምፓኒ ኢንተርናሽናል ሆልዲንግ ኦሬንት ቻይና ኣብ ዓውዲ ጨርቃ-መርቂ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ዘኽእል ስምምዕነት ከቲሙ። ሰብ ሙያ ኢትዮጵያ ንዓለም ለኸ ዕዳጋ ብቑዓት ንክኾኑ ዘኽእል ስልጠና ንምሃብ ዘኽእል ኢዩ…

ሎሚ ኣብ ኣደባባይ ንዝግበር ኢፍጣር ዝኸውን ወፍሪ ፅርየት ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ኣብ ኣደባባይ ንዝግበር ኢፍጣር ዝኸውን ወፍሪ ፅርየት ኣብ መስቀል ኣደባባይ ተሳሊጡ። ኣብቲ ወፍሪ ብዙሓት ነበርቲ፣ ወለንታዊያንን ሓለፍቲ ስራሕ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ከምዝተሳተፉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ እታ ከተማ ዝረከብናዮ ሓበሬታ…