Fana: At a Speed of Life!

6 ሓደሽቲ ፍሪያታት ናብ ወፃኢ ፍሪያት ብምእታው ልዕሊ 7 ሚሊየን ዶላር ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)6 ሓደሽቲ ፍሪያታት ናብ ወፃኢ ፍሪያት(ኤክስፖርት) ብምእታው ልዕሊ 7 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ። ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 915 ሚሊየን ዶላር ግምት ዘለዎም ፍሪያታት ብፍሪያታት ውሽጢ ዓዱ ዲ ንክትክኡ ከምዝተገበረ ሚኒስቴር…

ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ወደባት ባሕሪ ብምጥቃም ልዕሊ 518 ሚሊየን ብር ወፃኢ ምድሓን ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ 2015 ዓ.ም ወደባት ባሕሪ ብምጥቃም ልዕሊ 518 ሚሊየን ብር ወፃኢ ምድሓን ከምዝተኽኣለ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ኣፍሊጡ። እቲ ቤት ዕዮ ኣብ ዘቕረቦ ኣፈፃፅማ መደባት ሽዱሽተ ኣዋርሕ፥ ኣብ ኣዋፃኣይነት ኢኮኖሚ…

ትካል ተራድኦ ልምዓት ኣሜሪካ ንሚኒስቴር ጥዕና ደገፍ ናውቲታት ላቦራቶሪ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ተራድኦ ልምዓት ኣሜሪካ(ዩ ኤስ ኤ አይ ዲ)  ንሚኒስቴር ጥዕና ደገፍ ናውቲታት ላቦራቶሪ ገይሩ። ማይከሮስኮፕን ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ሕክምናን 300 ሺሕ ዶላር ኣሜሪካ ወፃኢ ዝተገበረሎም ከምዝኾኑ ተገሊፁ። ኣብ ኢትዮጵያ ነዝርከቡ 28…

ኣብ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ንምእካብ ካብ ዝተተለመ እቲ 80 ሚኢታዊ ፍሪያት ተኣኪቡ-ሚኒስቴር ሕርሻ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ንምእካብ ካብ ዝተተለመ 13 ነጥቢ 95 ሚሊየን ሄክታር መሬት እቲ  11 ነጥቢ 2 ሚሊየን ሔክታር ከምዝተኣከበ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ። እቲ ሚኒስቴር  ኣብ ዘዳለዎ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ከምዝበሎ፥ ብመስኖ 1…

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢጋድን ሰነድ ስምምዕነት ከቲሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢጋድን ሰነድ ስምምዕነት ከቲሞም። እቲ ስምምዕነት ኣብ ዞባዊ ትራንስፖትር ነፈርቲ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ። ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጂቡቲ ብርሃኑ ፀጋዬ ኣብ ትዊተር ሒሳቦም ከምዝበልዎ፥ ቀጠናዊ…

ምትእስሳርን ትሕብብርን ንግዲ ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ንምጥንኻር ይስራሕ ኣሎ-ኣምባሳደር ጀማል በክር

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፓኪስታን ጀማል በክር ምትእስሳርን ትሕብብርን ንግዲ ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ንምጥንኻር ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም። እቶም ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ምስ ቴሌቪሽን ፓኪስታን “PTV World” ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ክልቲአን ሃገራት…

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ቻይና ሓዱሽ ማዕቐብ ኣንቢራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ቻይና ሓዱሽ ማዕቐብ ከምዘንበረት ተገሊፁ። እቲ ማዕቐብ ዝተነበረ ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር ኣሜሪካ(ፔንታጎን)”ስለላ” ኢዩ ኢሉ ዝጠርጠሮ ተንሳፋፊ ጓንቲ ቻይና ብሚሳኤል ወቒዑ ድሕሪ ምውዳቑ ኢዩ ተባሂሉ። ብመሰረት እዚ ምስ…

ኣብ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ልዕሊ 1 ሺሕ ብርኪታት ምፅዳቖም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ 1 ሺሕን 435 ብርኪታት ምፅዳቖም ኢንስቲትዩት ደረጃታት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ካብ መንጎ እቶም ዝፀደቑ 268 ቅድመ ሐዚ ዘይተዳለዉን ኣብዚ ሐዚ እዋን ተዳሊዮም ዝቐረቡን ሓደሽቲ ብርኪታት ከምዝኾኑ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ጉዳያት…

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ 100 ዘመናዊ ኣብቶቡሳት ትራንስፖርት ከተማ ስራሕ ኣጀሚረን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ 100 ዘመናዊ ኣብቶቡሳት ትራንስፖርት ከተማ ስራሕ ኣጀሚረን። እተን ከንቲባ ፀገም ትራንስፖርትን መገዲን ንምቕራፍ እቲ ምምሕዳር ከተማ ጠመተ ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ተዛሪበን። 200 ዝተረፋ ኣብቶቡሳት…

ኢትዮ-ቴሌኮም ብኽፋል ናብ ናይ ውልቀ ዓውዲ ንምዝውዋር ዓለም ለኸ ጨረታ ወፂኡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮ-ቴሌኮም ብኽፋል ናብ ናይ ውልቀ ዓውዲ ንምዝውዋር ዓለም ለኸ ጨረታ ዳግም ወፂኡ። ሐዚ ዝወፅአ ጨረታ 45 ሚኢታዊ ብፅሒት ኢትዮ-ቴሌኮም ንዓለም ለኸ ሰብ ሃፍቲ ንምቕራብ ዝዓለመ ምዃኑ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ጨረታ ምክፋል…