Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መዓልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዝሳተፉ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን ከንቲባታት ከተማን ናብ ሃዋሳ ይኣትዉ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅባሕ ኣብ ዝኽበር መበል 17 መዓልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዝሳተፉ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት፣ ከንቲባ ምምሕዳራት ከተማን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ናብ ሃዋሳ ይኣትዉ ኣለዉ። ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ በልፅግና ኣይተ ኣደም…

ህብረ ብሔራዊነትና ፍልፍል ጥንካረና ኢዩ-ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ህብረ ብሔራዊነትና ፍልፍል ጥንካረና ኢዩ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ። ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ መበል 17 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ምኽኒያት ብምግባር መግለፂ ሂቡ። ኣብ መግለፂኡ፥ ኢትዮጵያ ካብ ኣፈጣጥራኣ…

ኤደን ሃዛርድ ካብ ብሄራዊ ጋንታ ቤልጂየም ንገዛእ ርእሱ ኣርሒቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤደን ሃዛርድ ካብ ብሄራዊ ጋንታ ቤልጂየም ንገዛእ ርእሱ ከምዘርሓቐ ዕላዊ ገይሩ። ቤልጂየም ኣብ ቀዳማይ ዙር  ዋንጫ ዓለም ምስንባታ ስዒቡ ኢዩ ካብቲ ብሄራዊ ጋንታ ወፂኡ። እቲ ወዲ 31 ዓመት ንሃገሩ ኣብ 126 ፀወታታት ብምስላፍ 33 ሸቶታት…

ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ ሓሙሽተ ኣባላት ዘለውዎ ኮሚቴ ፀረ ግዕዚይና ኣጣይሸን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ ሓሙሽተ ኣባላት ዘለውዎ ኮሚቴ ፀረ ግዕዚይና ኣጣይሸን። ኣባላት እቲ ኮሚቴ፥ ሓላፊት ምምዳር ሰላምን ፀፅታን ወ/ሮ ሊድያ ግርማ፣ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፀረ ግዕዚይና ኣይተ ጀማል ረዲ፣ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ…

ፅባሕ ንዝኽበር መዓልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዘድሊ ምድላው ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅባሕ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ንዝኽበር መበል 17 መዓልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዘድሊ ምድላው ከምዝተዛዘመ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ገሊፆም። እቲ በዓል ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ስታዲዮም ሃዋሳ…

ብምግቢ ዓርስኻ ምኽኣል መሰረታዊ ድልየት ህዝቢ ካብ ምምላእ ብዝሓለፈ ክብሪ ሃገር ምሕላው ኢዩ-ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምግቢ ዓርስኻ ምኽኣል መሰረታዊ ድልየት ህዝቢ ካብ ምምላእ ብዝሓለፈ ክብሪ ሃገር ምሕላው ኢዩ ክብላ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ተዛሪበን። ግብርና ኢትዮጵያ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ክሳብ ሐዚ ብዝተገበሩ ፃዕሪታትን ብዝተረኸቡ ውፅኢታትን…

ብሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ሱማሌ ኣብዱልከድር መሓመድ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ሱማሌ ኣብዱልከድር መሓመድ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ። ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሰራዊት ምክልኻል ሃገረ ፌዴሪኢ ብርጋዲየር ጄኔራል ይልማ መኳንንቴ ኣቀባብላ ገይረሙሉ።…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤግዚብሽን ፍሪያታት ግብሪና ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤግዚብሽን ፍሪያታት ግብሪና ኣብ ኮሚሽን ኢኮኖሚክስ ኣፍሪካ ተኸፊቱ። እቲ ኤግዚብሽን “ግብርና ልዑል ፅዕንቶ ንክፈጥር ምኽኣል” ብዝብል መሪሕ ቃል ይካየድ ከምዘሎ ተገሊፁ። ሚኒስቴር ግብርና፣ ኢንስቲትዩት ግብርናን…

ካብ ዝተወረሳ ተሽከርከርቲ ታርጋ ብምፍታሕ ንዘይሕጋዊ ተግባር እንትግልገል ዝነበረ ውልቀ ሰብ ኢድ ብኢድ ተታሒዙ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ዝተወረሳ ተሽከርከርቲ ታርጋ ብምፍታሕ ንዘይሕጋዊ ተግባር እንትግልገል ዝነበረ ውልቀ ሰብ ኢድ ብኢድ ተታሒዙ። እቲ ተጠርጣሪ፥ ፀሓፊ መኽዘን ኮሚሽን ጉምሩክ ዝነበረ ኢዩ ተባሂሉ። ታርጋ እናፈትሐ ንደለልቲን ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባር ንዝተዋፈሩ…

ሓበራዊ ኣኼባ ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮ-ሩሲያ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል ሻምናይ ሓበራዊ ኣኼባ ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮ-ሩሲያ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ ኣኼባ ሎሚን ፅባሕን ከምዝሳለጥ ተገሊፁ። ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ኢኮኖሚ፣ ሳይንስን ቴክኖሎጂን፣ ትምህርቲ ከምኡወነ ንግዲ ብዝበለፀ ኣብ ዘጠናኽሩ…