Fana: At a Speed of Life!

ኤደን ሃዛርድ ካብ ብሄራዊ ጋንታ ቤልጂየም ንገዛእ ርእሱ ኣርሒቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤደን ሃዛርድ ካብ ብሄራዊ ጋንታ ቤልጂየም ንገዛእ ርእሱ ከምዘርሓቐ ዕላዊ ገይሩ። ቤልጂየም ኣብ ቀዳማይ ዙር  ዋንጫ ዓለም ምስንባታ ስዒቡ ኢዩ ካብቲ ብሄራዊ ጋንታ ወፂኡ። እቲ ወዲ 31 ዓመት ንሃገሩ ኣብ 126 ፀወታታት ብምስላፍ 33 ሸቶታት…

ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ ሓሙሽተ ኣባላት ዘለውዎ ኮሚቴ ፀረ ግዕዚይና ኣጣይሸን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ ሓሙሽተ ኣባላት ዘለውዎ ኮሚቴ ፀረ ግዕዚይና ኣጣይሸን። ኣባላት እቲ ኮሚቴ፥ ሓላፊት ምምዳር ሰላምን ፀፅታን ወ/ሮ ሊድያ ግርማ፣ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፀረ ግዕዚይና ኣይተ ጀማል ረዲ፣ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ…

ፅባሕ ንዝኽበር መዓልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዘድሊ ምድላው ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅባሕ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ንዝኽበር መበል 17 መዓልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዘድሊ ምድላው ከምዝተዛዘመ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ገሊፆም። እቲ በዓል ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ስታዲዮም ሃዋሳ…

ብምግቢ ዓርስኻ ምኽኣል መሰረታዊ ድልየት ህዝቢ ካብ ምምላእ ብዝሓለፈ ክብሪ ሃገር ምሕላው ኢዩ-ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምግቢ ዓርስኻ ምኽኣል መሰረታዊ ድልየት ህዝቢ ካብ ምምላእ ብዝሓለፈ ክብሪ ሃገር ምሕላው ኢዩ ክብላ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ተዛሪበን። ግብርና ኢትዮጵያ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ክሳብ ሐዚ ብዝተገበሩ ፃዕሪታትን ብዝተረኸቡ ውፅኢታትን…

ብሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ሱማሌ ኣብዱልከድር መሓመድ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ሱማሌ ኣብዱልከድር መሓመድ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ። ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሰራዊት ምክልኻል ሃገረ ፌዴሪኢ ብርጋዲየር ጄኔራል ይልማ መኳንንቴ ኣቀባብላ ገይረሙሉ።…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤግዚብሽን ፍሪያታት ግብሪና ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤግዚብሽን ፍሪያታት ግብሪና ኣብ ኮሚሽን ኢኮኖሚክስ ኣፍሪካ ተኸፊቱ። እቲ ኤግዚብሽን “ግብርና ልዑል ፅዕንቶ ንክፈጥር ምኽኣል” ብዝብል መሪሕ ቃል ይካየድ ከምዘሎ ተገሊፁ። ሚኒስቴር ግብርና፣ ኢንስቲትዩት ግብርናን…

ካብ ዝተወረሳ ተሽከርከርቲ ታርጋ ብምፍታሕ ንዘይሕጋዊ ተግባር እንትግልገል ዝነበረ ውልቀ ሰብ ኢድ ብኢድ ተታሒዙ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ዝተወረሳ ተሽከርከርቲ ታርጋ ብምፍታሕ ንዘይሕጋዊ ተግባር እንትግልገል ዝነበረ ውልቀ ሰብ ኢድ ብኢድ ተታሒዙ። እቲ ተጠርጣሪ፥ ፀሓፊ መኽዘን ኮሚሽን ጉምሩክ ዝነበረ ኢዩ ተባሂሉ። ታርጋ እናፈትሐ ንደለልቲን ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባር ንዝተዋፈሩ…

ሓበራዊ ኣኼባ ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮ-ሩሲያ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል ሻምናይ ሓበራዊ ኣኼባ ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮ-ሩሲያ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ ኣኼባ ሎሚን ፅባሕን ከምዝሳለጥ ተገሊፁ። ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ኢኮኖሚ፣ ሳይንስን ቴክኖሎጂን፣ ትምህርቲ ከምኡወነ ንግዲ ብዝበለፀ ኣብ ዘጠናኽሩ…

ማሕበር ቀይሕ መስቀል እታዎታት ሕክምና ዝፀዓና ተወሰኽቲ 16 ተሽከርከርቲ ኣብ ትግራይ የከፋፈላ ከምዘለዋ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል እታዎታት ሕክምና ዝፀዓና ተወሰኽቲ 16 ተሽከርከርቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ሆስፒታላት የከፋፍል ከምዘሎ ገሊፁ። እቲ ኮሚቴ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ከምዝበሎ፥ ሰብኣዊ ሓገዝ ምግብን እታዎታት ሕክምናን ዝፀዓና 16…

ምሁራን ንሉእላውነትን ዘላቒ ሰላምን ኢትዮጵያ ግቡእ ግደ ክፃወቱ ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምሁራን ነባራዊ ኩነታት ብምግንዛብ ንሉእላውነትን ዘላቒ ሰላምን ኢትዮጵያ ግቡእ ግደ ክፃወቱ ይግባእ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ተዛሪቦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንልእልና ኢትዮጵያ ግደ ምሁራን ብዝብል መሪሕ ቃል ካብ መላእ እዛ ሀጋር…