Fana: At a Speed of Life!

መድረኽ ሓዱሽ ወግዒ “መናእሰይ መሃናዲስ ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ” ብዝብል ርእሲ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብፕሬስ ሴክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ዝዳሎ  መድረኽ ሓዱሽ ወግዒ "መናእሰይ መሃናዲስ ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ" ብዝብል ርእሲ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ መድረኽ፥ መናእሰይ ንናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ዘለዎም ኣበርክቶን ሓላፍነትን ዘርእይ ኢዩ ተባሂሉ።…

ናብ ናፃ ቀጣና ንግዲ ድሬዳዋ ዝኣትዉ ትካላት ልምዓት ናብ ተግባር ንክኣትዉ ሕቶ ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣  14 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ናብ ሓዱሽ ናፃ ቀጣና ንግዲ ድሬዳዋ ዝኣትዉ ትካላት ልምዓት ናብ ተግባር ንክኣትዉ ሕቶ ኣቕሪቡ። ሚኒስትር ዴኤታ ኣይተ ደንጌ ቦሩ፥ ኣብ ድሬዳዋ ዝተጣየሸ ነፃ ቀጣና ንግዲ በዝምልከት ምስ መዳርግቲ ኣካላት…

ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ደቡብ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ደቡብ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ይሳለጥ ኣሎ። እቲ ቤት ምኽሪ ንክልተ መዓልታት ኣብ ዘካይዶ ጉባኤ፥ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምዝስታይ ውሳነታት ከምሓላልፍ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ። እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦…

ኢትዮጵያውያን  ኣትሌታት ብውድድር ደቂ ኣኒስቲዮ 5 ሺሕ ሜትሮ ንፍፃመ ሓሊፈን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን  ኣትሌታት ኣብ መበል 18 ውድድር 5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም  ንፍፃመ ሓሊፈን። ኣብቲ ውድድር ኢትዮጵያ ብምውካል ዝተሳተፋ፥ ኣትሌት  ለተሰንበት ጊደይ፣ ጉዳፍ ፀጋይን ዳዊት ስዩምን ከምዝሓለፋ ኣረጋጊፀን።…

ኢትዮጵያ ብውድድር መሰናከል 3 ሺሕ ሜትሮ ሜዳሊያ ብሩርን ነሓስን ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ኢትዮጵያ ኣብ መበል 18 ውድድር መሰናከል 3 ሺሕ ሜትሮ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ሜዳሊያ ብሩርን ነሓስን ረኺባ። ኣትሌት ወርቅውሃ ጌታቸው ብሩር፣ መቅደስ ኣበበ ድማ ነሓስ መዳሊያታት ኣምአን። ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ብዘሎ…

ኣብ ታኒዛኒያ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ታኒዛኒያ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 66 ኢትዮጵያዊያን ሎሚ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። ዓለም ለኸ ዳይሬክተር ትካል ስደተኛታት ታኒዛኒያ ዶክተር ቃሲም ሱፊ፥ እቶም ዜጋታት ኣብ ምምላስ ዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታት፣ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር፣…

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ዘንበሮ ማዕቐብ ንምልሕላሕ ከምዘአንፈተ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ዘንበሮ ማዕቐብ ብምልሕላሕ ብብርኪ ዓለም ዘሎ ቅልውላው ነግዲ ዘበናዊ ድኹዕን ምግበን ንምቅልጣፍ ከምዘአንፈተ ተገሊፁ። እቶም መመሓየሺታት ማዕቐብ መፃኢ ዕለተ ረቡዕ ክፀድቁ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ። ብፍላይ…

እዚ ምዕራብ ካብ ዝኾነ ይኹን ኣንፈት ዝነፃፀር ሓደጋ ብዘተኣማምን ኩነታት ምምካት ዘኽእል ዓቕሚ ሃኒፅና ኢና- ሌተናል ጀኔራል መሰለ መሰረት

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)እዚ ምዕራብ ካብ ዝኾነ ይኹን ኣንፈት ዝነፃፀር ሓደጋ ብዘተኣማምን ኩነታት ምምካት ዘኽእል ዓቕሚ ሃኒፅና ኢና ዋና ኣዛዚ እቲ እዚን ተሸላሚ ሜዳይ ዓድዋን ሌተናል ጀኔራል መሰለ መሰረት ገሊፆም። ሌተናል ጀኔራል መሰለ ምስ ኣፈፃፅማ ግዳጅ ምዕራብ እዚን…

ክሳብ ትማሊ 4 ነጥቢ 2 ቢሊየን ፈልሲ ተተኺሉ-ሚኒስቴር ግብርና

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ሃገር ብመሰረት ዝተገበረ ርብርብ ክሳብ ትማሊ ብሓፈሻ 4 ነጥቢ 2 ቢሊየን ፈልሲ ከምዝተተኸለ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ። “ኣሰርና ንትውልድና” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝትከል ዘሎ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር 2014 ዓ.ም ተጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ።…

ብውድድር መሰናክል 3 ሺሕ ሜትሮ ኣትሌት ለሜቻ ግርማ ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ብሩር ኣምፂኡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ብውድድር መሰናክል 3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕቲዮ ኣትሌት ለሜቻ ግርማ ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ብሩር ኣምፂኡ። ኣትሌት ለሜቻ ግርማ ነቲ ርሕቐት ብ8፡26.01 ብምዝዝም ካልኣይ ብምዃን ኢዩ ተዓዊቱ። ኣብቲ ውድድር ሞሮኮ ሜዳሊያ  ወርቂ፣ ኬኒያ ሜዳሊያ…