Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ብውድድር 1 ሺሕ 500 ሜትሮ ካልአይቲ ብምውፃእ ሜዳሊያ ብሩር ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ብውድድር 1 ሺሕ 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስቲዮ ካልአይቲ ብምውፃእ ሜዳሊያ ብሩር ተዓዊታ። ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ሳልሳይ መዳሊያ ብሩር ዓቲራ። ኣብቲ ውድድር ኬኒያ ወርቂ ብሪታኒያ ድማ…

ኣትሌት ጎይቶም ገ/ስላሰ ኣብ ውድድር ፍፄመ ማራቶን ሻምፒዮና ዓለም ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ኣብ ውድድር ፍፄመ ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣትሌት ጎይተቶ ገብረስላሰ ንሃገራ ሳልሳይ ሜዳልያ ወርቂ አመዝጊባ፡፡ ቅድሚ ሰዓታት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ማራቶን ሜዳልያ ጎይተቶም ገብረስላሴ ብዓወት ዛዚማ።…

ንኣዶ ተምሃራይ ኤፍሬም ብመርሃግብሪ ድኻ ተኮር ካብ ዝተሃነፁ ኣባይቲ በዓል ክልተ መደቀሲ ተዋሂቡዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንኣዶ ተምሃራይ ኤፍሬም በለጠ ብመርሃግብሪ ድኻ ተኮር ካብ ዝተሃነፁ ኣባይቲ በዓል ክልተ መደቀሲ ሂቡዋ። ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ከመዝበልኡ፥ ምምሃር ኣብ ኣተሓሳስባ ደቂ ሰባት ለውጢ…

ኣይተ ተወልደ ገብረማሪያን ሽልማት ዕድመ ልክዕ ተደርኪቱሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማሪያን ሽልማት ዕድመ ልክዕ ተደርኪቱሎም። እቲ ሽልማት ፍላይት ግሎባል ዝተብሃለ ኩባኒያ አንግሊዝ ዝሃቦም እንትኸውን፥ ኣብ ዓውዲ ትራንስፖርት ኣየር ንዘርኣይዎ ዝለዓለ ኣመራርሓ…

ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ መድረኽ ምምራፅ ኣመራርሕኡ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ መድረኽ ምምራፅ ኣመራርሕኡ የሳልጥ ኣሎ። ትካላዊ ለውጢን ሓድነትን ሙስሊማት ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ካልኣይ ዙር ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ። ኣብቲ ጉባኤ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ…

ኣፈጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር ምስ ኣምባሳደር ደቡብ ኮሪያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፤ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ምስ ኣምባሳደር ደቡብ ኮሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ካንግ ተዛቲዮም። እቲ ዘተ ዝፀንሐ ታሪኻዊ ርክብ ክልቲአን ሃገት ንምጥንኻር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ። ኢትዮጵያ ልዕል 6 ሺሕ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር…

ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኬኒያ ኣብ ልዕሊ ለተሰንበት ጊደይ ዘቕረቦ ክሴታ ተነፂጉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኬኒያ ኣብ ልዕሊ ለተሰንበት ጊደይ ዘቕረቦ ክሴታ ተነፂጉ። ኣብ ወድድር 10 ሺሕ መሄትሮ ደቂ ኣኒስትዮ ኣብ ናይ መወዳእታ ካልኢታት ኣትሌት ለተሰንበት ንሄለን ኦቢሪ ብኩርንዓ ወቒዓ ብዘብል ኬኒያ ንዓለም ለኸ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ…

ኣብ ጋና  ማርበርግ ዝተብሃለ ሓደገኛ ተላባዒ ቫይረስ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋና ንመፈለምታ እዋን ማርበርግ ዝተባህለ ሓደገኛ ተላባዒ ቫይረስ ከምዝረኸበት ኣፍሊጣ። ክሳብ ሐዚ በቲ ቫይረስ ዝተጠቕዑ ክልተ ሰባት ከምዝረኸበት እውን ኣረጋጊፃ። እቲ ቫይረስ፥ ከም ቫይረስ ኢቦላ ሓያል ሕማም ረኽሲ ዘስዕብ ቫይረስ እዩ ተባሂሉ።…

ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ብሰለስተ ውድድራት ፍፃመ ክትሳተፍ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ኦሪገን ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም፥ ኢትዮጵያ ብሰለስተ ውድድራት ፍፃመ ክትሳተፍ ኢያ። ብብመሰረት እዚ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 10:15 ኣብ ዝካየድ ውድድር ማራቶን ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሴ፣ ኣባበል…

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ግብረ ራዕዳውያን ብምስዓር ሰላምን ድሕንነትን ሃገር ንምርግጋፅ ዘኽእል ቁመና ሃኒፁ-ሜ/ጀኔራል ፍቃዱ ፀጋዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ግብረ ራዕዳውያን ብምስዓር ሰላምን ድሕንነትን ሃገር ንምርግጋፅ ዘኽእል ቁመና ከምዝሃነፀ ምክትል ኣዛዚ ምብራቕ እዚ ሜ/ጀኔራል ፍቃዱ ፀጋዬ ገሊፆም። እቶም ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሎሚ እውን ከም ልሙድ ፀላእቲ…