Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ኣብ ሂዩስተን ዝርከብ ቆንስላኣ ንኽትዓፁ ኣሜሪካ ትእዛዝ ኣመሓላሊፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቻይና ኣብ ቴክሳ ሂዩስተን ዝርከብ ቆንስላ ቤት ፅሕፈታ ንኽትዓፁ ኣሜሪካ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈት ተገሊፁ። ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ፥ እቲ ውሳነ ኣእምሮኣዊ ንብረት ኣሜሪካ ንምሕላው ብዝብል ዝተመሓላለፈ ኢዩ ኢሉ። ቻይና…

ዚምባብዌ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ኣዋጅ ሰዓት እቶ እቶ ሰዓት ኣዊጃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ዚምባብዌ ኤመርሰን ምናንጋግዋ ዚምባብዌ ኣዋጅ ሰዓት እቶ እቶ ኣዊጆም። እቲ ሰዓት እቶ እቶ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ብዝብል ዝተኣወጀ ከምዝኾነ ተገሊፁ። እቶም ፕሬዚዳንት ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ዝተኣወጀ እቶ እቶ ሰዓት…

ፀዓኒት ኣቑሑት ኣውሮፕላን መገዲ ኣየር ኢትጵያ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሸንጋይ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፀዓኒት ኣቑሑት ኣውሮፕላን መገዲ ኣየር ኢትጵያ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሸንጋይ ኣቕሓ እናፀዓነት እናሃለወት ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙዋ። ኩሎም ሰራሕተኛታት ኢታ ኣውሮፕላን ኣብ ፅቡቕ ድሕንነት ከምዝርከቡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። መገዲ…

ቀ/ሚ  ዶ/ር ኣቢይ ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም  መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም  መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም! ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ እንኳዕ ደስ በለኩም ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ። ዝተኸበርኩም…

ብብር 19 ነጥቢ 9 ቢሊየን ወፃኢ 12 መገዲታት ንምህናፅ ዘኽእል ውዕሊ ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ መገዲታት ኢትዮጵያ ብብር 19 ነጥቢ 9 ቢሊየን ወፃኢ 12 መገዲታት ንምህናፅ ዘኽእል ውዕሊ ስምምዕነት ምስ ተቛረፅቲ ተፈራሪሙ። እቶም ውዕሊ ስምምዕነት ዝተኻየደሎም 12 ፕሮጀክታት መገዲ ብሓፈሻ 825 ነጥቢ 23 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት…

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 561 ሰባት እንትርከቡ 7 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 6 ሺሕን 544 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 561 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ዝነበሩ ሸውዓተ ሰባት ህይወቶም…

ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ከምዝተዛዘመ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ። ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣባላት መራሕቲ ቢሮ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ዘሳለጡዎ ዘተ ኣድሂቡ መግለፂ ኣውፂኡ። እቲ…

ኣብ ትግራይ ኣብ ሓደ መዓልቲ 6 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ዝተትሓዘ መርሃ ግብሪ ተጀሚሩ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ኣብ ሓደ መዓልቲ 6 ሚሊየን ፈልሲታት ናይ ምትካል መርሃ ግብር ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ። ኣብ መቐለ ከባቢ ጮምዓ ኣብ ዝተገበረ ምትካል ፈልሲ ዝተረኸቡ ብምክትል ርእሰ ምምሕዳር መዓርግ ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግዲን ኢንዱስትሪን ክልል…

ኣብ ኣፍሪካ ዘሎ ቅልጣፈ ምልባዕ ቫይረስኮሮና ኣብ ኣተሓሳሳቢ ብርኪ ከምዝበፅሐ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣፍሪካ ዘሎ ቅልጣፈ ምልባዕ ቫይረስኮሮና ኣብ ኣተሓሳሳቢ ብርኪ ከምዝበፅሐ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ። ሓላፊ ህፁፅ ጉዳያት ውድብ ጥዕና ዓለም ማይክልራያን፥ እቲ ለበዳ ኣብ ኣፍሪካ ኣዝዩ እናሰፍሐ ምምፅኡ ኣዝዩ ዘሻቕል ጉዳይ እዩ ኢሎም።…

ቁፅሪ ብቫይረስኮሮና ዝተሓዙ ሰባት እናዛየደ ካብ ምምፅኡ ብተወሳኺ ብፅኑዕ ዝሓመሙ ቁፅሮም ወሲኹ ኣሎ-ዶ/ር ሊያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ብቫይረስኮሮና ዝተሓዙ ሰባት እናዛየደ ካብ ምምፅኡ ብተወሳኺ ብፅኑዕ ዝሓመሙ ቁፅሮም ምውስኹ ኣተሓሳሳቢ ከምዝኾነ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን። ኣብ ኢትዮጵያ ምልባዕ ቫይረስ ኮሮና ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ…