መሰል ኢትዮጵያ ኣብ ህዳሰ ግድብ ብዝምልከት ንዓለም ግንዛበ ንምፍጣር ዘኽእል ወፍሪ ማሕበራዊ ሚዲያ ተጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መሰል ኢትዮጵያ ኣብ ህዳሰ ግድብ ብዝምልከት ንዓለም ግንዛበ ንምፍጣር ዘኽእል ንሓሙሽተ መዓልታት ዝፀንሕ ወፍሪ ማሕበራዊ ሚዲያ ኢትዮጵያውያን ትማሊ ተጀሚሩ።
“ኣባይ ንኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝካየድ እቲ ወፍሪ፥ ክሳብ ዕለተ ዓርቢ ክቕፅል ኢዩ።…