Fana: At a Speed of Life!

ፃውዒት ሰላም ዝተቐበሉ ዕጡቓት ኣብ ማእኸል መሰልጠኒ ተሃድሶ ሰራባ ኣቀባብላ ተገይሩሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ አም ሲ)ፃውዒት ሰላም መንግስቲን ህዝቢን ዝተቐበሉ ዕጡቓት ኣብ ማእኸል መሰልጠኒ ተሃድሶ ሰራባ ኣቀባብላ ተገይሩሎም። እቶም ዕጡቓት ህዝቢ እቲ ክልል በዚ ጎንፂ ዘትረፎ ሞትን ዕንወትን ከምዝኾነ ብምርደኦም ፃውዒት ሰላም ከምዝተቐበሉ ብምሕባር፤ ዝበደልናዮ…

ብሬንትፎርድ ምስ ኣርሰናል ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መወዳእታ መርሃ ግብሪ ፀወታ መበል 19 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ብሬንትፎርድ ምስ ኣርሰናል ክራኸባ ኢየን፡፡ ምሸት 2፡30 ኣብ ስታዲየም ጌቴክ ኮሙኒቲ ኣብ ዝካየደ ፀወታ ኣርሰናል ኣብ ሜዳኣ ብርትዕቲ ካብ ዝኾነት ጋንታ ብሬንትፎርድ…

ሒሳብ ባንኪ ንምኽፋት ዲጂታል መለለዪ መንነት ፋይዳ ሒዝካ ምቕራብ ቅድመ ኩነት ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከባ ባንኪታት ሒሳብ ባንኪ ንምኽፋት ዲጂታል መለለዪ መንነት ፋይዳ (ቁፅሪ ፋይዳ) ሒዝካ ምቕራብ ሎሚ መዓልቲ ከም ቀዳማይ ቅድመ ኩነት ተግባራዊ ምግባር ተጀሚሩ፡፡ እቲ ቅድመ ኩነት ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ብመሰረት ዘውፀኦ…

ካብ ንግዲ ወፃኢ ልዕሊ 2 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ካብ ንግዲ ወፃኢ ልዕሊ 2 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ፡፡ ኣብቲ ዓውዲ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ልዕሊ 479 ሺሕን 830 ቶን ዝተፈላለዩ ፍርያታት ብምልኣኽ ካብ…

ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ክብረ ወሰን 10 ኪሎ ሜትር ብምስባር ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ስፔን ማድሪድ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 10 ኪሎ ሜትሮ ሳን ሲልቬስተር 2024 ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ሓዱሽ ክበረወሰን ብምስባር ታዊቱ፡፡ ኣትሌት በሪሁ ነቲ ርሕቐት 26 ደቒቕ 32 ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምዝዛም ኢዩ ክብረ ወሰን…

ኣዋጅ ምሕደራን ቁፅፅርን ኣገልግሎት ጥዕና ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ንሕብረተሰብ ኣገልግሎትን ጥዕና ተበፃሒ ንምግባር ዘኽእል ኢዩ ዝበሎ ኣዋጅ ምሕደራን ቁፅፅርን ኣገልግሎት ጥዕና ብሓደ ተቓውሞ፣ ትሽዓተ ድምፀ ተኣቅቦን ብኣብዝሓ ድምፂን ኣፅዲቑ፡፡ እቲ ባይቶ ሎሚ መዓልቲ መበል 13 ስሩዕ…

ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ ሓዱሽ ዓመት ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ንዘኽብሩ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ሓዱሽ ዓመት ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ንዘኽብሩ መልእኽቲ መግለፂ ሰናይ ትምኒት እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር "ኣብ ዓለም ሓዱሽ ዓመት 2025 ንዘኽብሩ ቤተሰብ ኢትዮጵያ…

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌድዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ኣብ ጂቡቲ ናይ ዝነብሩ ዜጋታት ሕቶታት ንምምላስ ከምዝሰርሕ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌድዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)  ምስ ተወከልቲ ኮሚዩኒቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጂቡቲ ተዛቲዮም፡፡ በዚ ድማ ኣብ ጂቡቲ ክህነፅ ብዛዕባ ዝተሓሰበ ቤት ትምህርቲ ኮሚዩኒቲ ሓገዝ፣ ብዛዕባ መሰል ዜጋታት፣ ሃገራዊ ፃውዒታትን እዋናዊ ጉዳያትን…

ካብ ክረምታዊ ዝራእቲ 320 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ እዋን ክረምቲ ዘበነ ምህርቲ 2016/17 ክሳብ ሕዚ 320 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ከምዝተኣከበ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ሚኒስቴር ፈፃሚ ስራሕ ኮሙኒኬሽንን ርክብ ህዝቢን ከበደ ላቀው ከምዝበሉዎ፤ ኣብቲ ፍርያት ዘበን ብኩታ-ገጠም ዝለምዐ…

ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ጋንታታት ኢትዮጵያ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ሓፂር፣ ማእኸላይ፣ 3 ሺሕን ሜትሮ መሕንኩሎን ስጉሚን ተግባራት ሜዳን ጋንታታት ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ። ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍፃመ ዝላ ብራኸ ደቂ ኣንስትዮ÷ ኣትሌት ፓች…