Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ዴንማርክን ምትሕብባረን ንምጥንኻር ተስዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ምስ ልኡኽ ቤት ምኽሪ ኮሚቴ ጉዳያት ፖሊሲ ወፃኢ ዴንማርክ ተዛቲዮም፡፡ ኣብ ዘተኦም ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ክሌማዊ ለውጢ እናወገነቶም ትርከብ ኢኒሼትቫትን ዝተረኸቡ ዓወታትን ትኹረት ገይሮም፡፡…

ኤግዚቢሽን ነጋዶ ደቂ ኣንስትዮ ምብራቕን ደቡብ ኣፍሪካን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)6ይ ኤግዚቢሽንን ኮንፈረንስን ንግዲ ፌዴሬሽን ነጋዶ ደቂ ኣንስትዮ ሓበራዊ ዕዳጋ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ (ኮሜሳ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ተገሊፁ፡፡ ሚኒስትር ዴኤታ ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ያስሚን ወሃብረቢ÷ ብዛዕባ እቲ ኤግዚቢሽንን…

ዩክሬን ናብ ድርድር ሰላም ንምምፃእ ድልውቲ ምዃና ምርግጋፆም ፕሬዚዳንት ትራምፕ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ስምምዕነት ሰላም ሩሲያ ዩክሬን ኣብ ሸቶኡ ንምብፃሕ ናብ ድርድር ጠረጴዛ ንምምፃእ ዩክሬን ድልውቲ ምዃና ዝገልፅ ደብዳበ ካብ ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ከምዝበፅሖም ገሊፆም። ፕሬዚዳንት ትራምፕ ኣብ…

ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ንስሑል ሽረ ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 21 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ንስሑል ሽረ 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ክትዕወት ክኢላ፡፡ ሎሚ ረፋድ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ንኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ብሕታዊት ሸቶ ዘላለም ኣበበ ኣብ መበል 82 ደቒቕ…

መራኸብቲ ሓፋሽ ንህንፀት ዘላቒ ሰላም ናይ ባዕሎም ግደ ንኽዋፅኡ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዘላቒ ሰላምን ህንፀት ሃገርን ናይ ባዕሎም ግደ ንኽዋፅኡ ከምዝግባእ ሚኒስቴር ሰላም ኣተሓሳሲቡ፡፡ “ግደ ሚዲያ ኣብ ህንፀት ሰላም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብኣሰናዳእነት ሚኒስቴር ሰላምን በዓል መዚ መራኸቢ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ምስ…

ኣብ ቻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሊቨርፑል ምስ ፒኤስጂ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ምሸት ቀዳማይ ዙር ፀወታታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ቻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ቀፂሎም ዝካየዱ እንትኾኑ ፒኤስጂ ምስ ሊቨርፑል ዝገበረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡ ብኣሰልጣኒ ኣርነ ስሎት እናተመርሐት ብቐጥታ ናብ 16 ዝተፀምበረት እንግሊዛዊት ጋንታ…

ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ ዝተጀመሩ ፃዕሪታት ምጥንኻር ከምዝግባእ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ ዝተጀመሩ ፃዕሪታት ምጥንኻር ከምዝግባእ ተገሊፁ። ኣብ ውሳነታት ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግናን ግደ ደቂ ኣንስትዮን ዝዝቲ ሃገር ለኸ መድረኽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።…

ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ምስ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)ምስ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ቼን ሃይን ተዛቲዮም። ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ኣብ ኣፍሪካ ብዛዕባ ዘለዉ ኩነታት ሰላምን ፀፅታ ገለፃ ገይሮምሎም።…

ባህር ዳር ሰላማዊ ካብ ምዃና ንላዕሊ እናተወገኑ ዝርከኑ ስራሕቲ ልምዓት ጭቤት እታ ከተማ ዘረጋግፁ ኢዮም – ም/ቀ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባህር ዳር ሰላማዊ ካብ ምዃና ንላዕሊ እናተወገኑ ዝርከኑ ስራሕቲ ልምዓት ጭቤት እታ ከተማ ዘረጋግፁ ከምዝኾኑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም፡፡ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ከተማ ባህር ዳር እናተወገኑ ዝርከቡ ስራሕቲ…

ኢትዮጵያ ኣብ በርሊን ዓለም ለኸ ኤክስፖ ቱሪዝም ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ጀርመን በርሊን ኣብ ዝተኸፈተ ዓለም ለኸ ኤክስፖ ቱሪዝም 'ኣይቲቢ' በርሊን እናተሳተፈት ትርከብ፡፡ ኣብቲ ኤክስፖ ምድረ ቀደምት ኣብ ዝተሰመየ መፀውዒ መባፅሕቲ ቱሪስት ኢትዮጵያ ንበፃሕቲ ኣብ ምፍላጥ ይርከቡ፡፡ ሚኒስቴር…