Fana: At a Speed of Life!

ዝተተኸሉ ፈልሲታት ብሕብረት ብምክንኻን ምቹውቲ ዝኾነት ኢትዮጵያ ምህናፅ ይግባእ – ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕ ዝተተኸሉ ፈልሲታት ብሕብረት ብምክንኻን ምቹውቲ ዝኾነት ኢትዮጵያ ምህናፅ ከምዝግባእ ሚኒስትር ፍትሒ ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ ገሊፆም። ሚኒስትር ፍትሒ ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ ኣብ ዞባ…

እኽሊ ዝፀዓነት መርከብ ዩክሬን ኣብ ወደብ ቱርክ በፂሓ

ኣዲስ ኣበባ፣ ሓምለ 27፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)እኽሊ ዝፀዓነት መርከብ ዩክሬን ኣብ ወደብ ቱርክ በፂሓ። እታ መርከብ ትማሊ ኣብ ጥቓ ወሽመጥ ባሕሪ ቦስፎረስ ግዝኣት ቱርኪ ከምበፅሐት ተሓቢሩ። ራዞኒ ተባሂላ ትፍለጥ መርከብ ልዕሊ 26 ሺሕ ቶን ምሸላ ባሕሪ ናብ ሊባኖስን ትሪፖሊን ክተብፅሕ ኢያ…

ሎሚ መዓልቲ ቀትሪን ለይቲን ኣብ ዝካየዱ ውድድራት መፃረዪን ፍፃመን ሻምፒዮና ዓለም ኢትዮጵያውያን ኣትሌቶች ክሳተፉ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ሳልሳይ መዓልቲ ኣብ ዝሓዘ ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ሎሚ መዓልቲ ቀትሪን ለይቲን ኣብ ዝካየዱ ውድድራት መፃረዪን ፍፃመን ኢትዮጵያውያን ኣትሌቶች ክሳተፉ ኢዮም። ሎሚ ቀትሪ ድሕሪ ሰዓት 11 ኣብ ዝካየደ መፃረዪ ውድድር 3 ሺሕ ሜትሮ…

ኢትዮጵያ ንሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባን ዓለምን ትገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ  – ዶ/ር ኣብርሃም በላይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንሰላምን ምርግጋእን ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካን ዓለምን ትገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ገሊፆም። ዶክተር ኣብርሃም በላይ÷ ብኣሰናዳእነት ቻይና ኣብ ዝተኻየደ ፎረም ሚኒስትራት ሰላምን ፀፅታን…

መዘና ትካላ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ቻይናን ሓቢሮም ንምስራሕ ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካላ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ትካላ ጉዳያት ወፃኢ ህዝቢ ቻይናን ብኣተሓባባርነት ሚሲዮን ኢትዮጵያ ኣቢሎም ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሉዎም ጉዳያት ኣድሂቦም ብኦንላይን ተዛቲዮም፡፡ ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ፤ ቻይናን ኢትዮጵያን ልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘበን…

ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ልዕሊ 2 ነጥ 2 ሚሊየን ፈልሲታት ተተኺሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ልዕሊ 2 ነጥ 2 ሚሊየን ፈልሲታት ከምዝተተኸሉ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን እቲ ክልል ገሊፁ። “ኣሰርና ንወለዶና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 1 ነጥቢ 7…

ሓበራዊ ጉባኤ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ሴክተርን በጀት ዓመት 2014 ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓበራዊ ጉባኤ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ሴክተርን በጀት ዓመት 2014 “ብፈተናታትና እንተይተበዳህና ዓወታትና እናስፋሕና ንዝለዓለ ዝላ ክንተግህ ኢና” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ከተማ ኣዳማ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ ሓበራዊ ጉባኤ÷ ሚኒትር ደቂ ኣንስትዮን…

ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ክሳብ 30 ነሓሰ ስሩዕ ኣገልግሎት ዳይነት ምሃቦም ከምዝኽቕፅሉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ካብ 1 ክሳብ 30 ነሓ2014 ዓ.ም ኣብ ዘሎ እዋን ስሩዕ ኣገልግሎት ዳይነት ምሃቦም ከምዝኽቕፅሉ ተገሊፁ። ብመሰረት ኣዋጅ ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ቁፅሪ 1234/13 አንቀፅ 38(2)፥ ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ካብ 1 ነሓሰ ክሳብ…

ቤት ምኽሪ ክልል ዓፋር ልዕሊ 10 ቢሊየን ብር በጀት ዓመት 2005 ዓ.ም ኣፅቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ዓፋር በጀት ዓመት 2005 ዓ.ም 10 ቢሊየን 132 ሚሊየን 869 ሺሕን 117 ብር ኣፅቑ። ንተኸታታሊ መዓልቲታት ኣብ ዝቐፀለ 6ይ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል 1ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ፥ ኣብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ኣፈፀምቲ…

ኣብ ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያ ፈለምቲ ሜዳሊያታት ወርቂን ብሩርን ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያ ፈለምቲ ሜዳሊያታት ወርቂን ብሩርን ረኺባ። ኣኮሎምቢያ ካሊ እየተኻየደ ዝርክብ ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ለይቲ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮን 3…