ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ ሰላም ጠጠው ክብል ከምዝግባእ ፕሮፌሰር ሃረገወይን ገሊፀን Gebremariam Weldegerima May 6, 2022 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ ሰላም ጠጠው ክብል ከምዝግባእ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣማኻሪት ፕሬዚደንት ፕሮፌሰር ሃረገወይን ኣሰፋ ገሊፀን። ፕሮፌሰር ሃረገወይን ኣሰፋ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበረኦ ፃንሒት፥ ህዝቢ ትግራይን ኣደታትን…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዞባ ማጃንግ በረድ ሓዊሱ ብዝወቕዐ ዝናብ ኣብ ልዕሊ 3 ሺሕ 800 ሄክታር ዝራእቲ ጉድኣት በፂሑ Gebremariam Weldegerima May 6, 2022 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ ዞባ ማጃንግ ወረዳ ጎደሬ ኣብዚ ሰሙን በረድ ሓዊሱ ብዝወቕዐ ዝናብ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ 3 ሺሕ 800 ሄክታር ዝራእቲ ጉድኣት ከምዝበፅሐ ተገሊፁ። ኣመሓዳሪ ወረዳ ጎደሬ ኣይተ ይስሃቅ ኣብርሃም በረድን ንፋስን ተሓዊሱዎ ዝወቕዐ…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ወፍሪ ክታበት ክወሃብ ኢዩ Gebremariam Weldegerima May 6, 2022 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2014 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ዕድሚኦም ትሕቲ 5 ዓመት ንዝኾኑ ህፃናት ወፍሪ ክታበት ክወሃብ ኢዩ። እቲ ወፍሪ ክታበት ካብ ሎሚ መዓልቲ 28 ሚያዚያ ክሳብ 1 ጉንበት 2014 ዓ.ም ዝፀንሕ እንትኸውን፥ ገዛ ንገዛ ብምዛር ከምዝወሃብ…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ነበር ህንፃ ቤት ፅሕፈት ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ሕድሳት ተዛዚሙ ተመሪቑ Gebremariam Weldegerima May 6, 2022 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ህንፃ ቤት ፅሕፈት ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ሕድሳት ተዛዚሙ ተመሪቑ። ሚኒስትር ገንዘብ ፌዴሪኢ ኣይ ኣሕመድ ሽዴ፣ ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢታትን ኢንጂነር አይሻ መሓመድ፣ ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቲካን ኣያናን…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ኣኼባ ኮሚቴ ሓበራዊ ጉዳይ ቴክኒክ ዶብ ኢትዮ – ኬንያ ኣብ ናይሮቢ ተጀሚሩ Gebremariam Weldegerima May 4, 2022 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣኼባ ኮሚቴ ሓበራዊ ጉዳይ ቴክኒክ ዶብ ኢትዮ - ኬንያ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ተጀሚሩ። እቲ ጉጅለ ቴክኒክ ኢትዮጵያ ብሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣማኻሪ ዓለም ለኸ ዶባት ብውሁብ ሙሉነህ ዝተመርሐ እንትኸውን፥ ብወገን ኬንያ ምክትል ዳይሬክተር ዓለም ለኸ…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ርክብ ንግዲ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብፃሕ ብትኹረት ከምዝስራሕ ተገሊፁ Gebremariam Weldegerima May 4, 2022 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዲኤታ ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣይተ ሓሰን ሙሓሙድ ብኣምባሳደር ሶማሊያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዱላሂ ኣህመድ ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ተዛቲዮም፡፡ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ክልቲአን መሓዙት ሃገራት ዘተኣሳስሩወን ብዙሓት ምንቅስቓሳት ንግዲ…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ኢትዮጵያ ዘጋጠሙዋ ፈተናታት ብሰላማዊ መገዲ ንኽትፈትሕ ኣሜሪካ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ክተቕርብ ኢያ – ኣምባሳደር ትሬሲ ኣን ጃኮብሰን Gebremariam Weldegerima May 4, 2022 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዘጋጠሙዋ ፈተናታት ብሰላማዊ መገዲ ንኽትፈትሕ ኣሜሪካ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ክተቕርብ ኢያ ክብላ ኣፈፃሚት ጉዳይ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኾና ኣምባሳደር ትሬሲ ኣን ጃኮብሰን ገሊፀን። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ 1 ሺን 29 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም Gebremariam Weldegerima May 4, 2022 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ብሰለስተ ዙር ብዝተገበረ ዜጋታት ካብ ስዑድ ዓረብ ናይ ምምላስ ስራሕ ብሓፈሻ ቁፅሮም 1 ሺን 29 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። ናብ ሃገሮም ካብ ሞንጎ ዝተመለሱ ዜጋታት ሓሙሽተ ህፃናትን 1 ሺሕን 24 ደቂ ተብዕትዮን ከምዝኾኑ…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ፅንፈኝነትን ኣኽራርነትን እናስዐቦ ዝርከብ ጥፍኣት ንምግታእ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ፈፀምቲ እቲ ተግባር ስጉምቲ ክወስድ ከምዝግባእ ተገሊፁ Gebremariam Weldegerima May 4, 2022 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቐንዱ ብሄርን ሃይማኖትን ሸፋን ዝገበረ ፅንፈኝነትን ኣኽራርነትን እናስዐቦ ዝርከብ ጥፍኣት ንምግታእ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ፈፀምቲ እቲ ተግባር ስጉምቲ ክወስድ ከምዝግባእ ተገሊፁ። ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ በዓል መዓልቲ ኢትዮጵያውያን ሓርበኛታት ምኽንያት ብምግባር ፅባሕ 21 ግዘ መድፍዕ ክትኮስ ኢዩ Gebremariam Weldegerima May 4, 2022 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዓልቲ ኢትዮጵያውያን ሓርበኛታት ምኽንያት ብምግባር ፅባሕ 21 ግዘ መድፍዕ ክትኮስ ኢዩ። ፅባሕ 27 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም ዝኽበር በዓል መዓልቲ ኢትዮጵያውያን ሓርበኛታት ምኽንያት ብምግባር ፅባሕ ንጉሆ ሰዓት 12፡00 ምስኮነ 21 ግዘ…