Fana: At a Speed of Life!

ዓውዲ ኮንስትራክሽን ንምዝማን ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ – ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ብዝበለፀ ንምዕባይን ንምዝማን ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ ኢለን ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ፡፡ ዓለም ለኸ ኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽንን ኤክስፖ መሰረተ ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካን ፅባሕ ኣብ ሚለንየም ኣዳራሽ…

ሃገራዊ ሰላም ንምፅናዕ ማሕበራዊ ክብርታት ብግቡእ ምጥቃም ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሃገራዊ ሰላም ንምፅናዕ ማሕበራዊ ክብርታት ብግቡእ ምጥቃም ይግባእ ኢሎም ሚኒስትር ሰላም መሓመድ ኢድሪስ፡፡ ማሕበራዊ ሃፍቲታት ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብሚኒስትሪ ሰላም ዝተዳለወ ዘተ ይካየድ ኣሎ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣይተ…

ስራሕቲ መራኸብቲ ሓፋሽ ብመንፅር ግዘን ብሄራዊ ረብሓን ክግዝኡ ይግባእ – ኣይተ ዛዲግ ኣብርሃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መራኸብቲ ሓፋሽ ብዝሰርሕዎ ትሕዝቶ ለውጢታት ክርድኡ ይግባእ ኢሎም ፕሬዚዳንት ኣካዳሚ ልህቀት ኣመራርሓ ኣፍሪካ ኣይተ ዛዲግ ኣብርሃ፡፡ ኣይተ ዛዲግ ንፋና ሚዲያ ኮርፓሬሽንን ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ሰልጠና ይህቡ ኣለው፡፡…

ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል ኣቪዬሽን ቁልፊ ስርዓት ሓበሬታ ልውውጥ ህዝቢ ኣባል ከይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል ኣቪዬሽን ቁልፊ ስርዓት ሓበሬታ ልውውጥ ህዝቢ (ፒኬዲ) ኣባል ምዃና ዘረጋግፅ ሰርተፍኬት ተቐቢላ፡፡ እቲ ሰርተፍኬት ዋና ዳይሬክተር ግልጋሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ወ/ሮ ሰላማዊት ዳዊት ፕሬዚደንት ዓለም ለኸ ትካል…

ተለዋዋጢ ኩነታት ንምፅዋርን ምላሽ ንምሃብን ዝኽእሉ ጠንካራ ትካላት ምፍጣር ይግባእ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዓለም ዝረኣዩ ተለዋዋጢ ኩነታት ንምፅዋርን ምላሽ ንምሃብን ዝኽእሉ ጠንካራ ትካላት ምፍጣር ይግባእ ኢሎም ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ሓላፊ ፓርቲ ብልፅግና ምክትል ፕሬዚዳንት ኣይተ ኣደም ፋራህ፡፡ ኢትዮጵያ ካብ…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ሓደ ህፃን ሓዊሱ ህይወት 9 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ሎሚ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ወዲ ሓደ ዓመት ህፃን ሓዊሱ ህይወት 9 ሰባት ሓሊፉ፡፡ ዳይሬክተር ርክብ ህዝብን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ማርቆስ ታደሰ ንፋና ዲጂታል ከምዝበልዎ÷ እቲ ሓደጋ ኣብ ክፍለ…

ዓለም ለኸ ጉባኤ ኢኖቬሽን ፅርየትን ጥዕና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን እተካይዶ ዓለም ለኸ ጉባኤ ኢኖቬሽን ፅርየትን ጥዕና ካብ ቀፃሊ ረቡዕ ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ፡፡ ሚኒስቴር ጥዕና ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ብምትሕብባር ዘዳለዎ ጉባኤ ብዙሓት ተወከልቲ ሃገራት ክሳተፋ እየን፡፡…

5 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ብሬሚታንስ ናብ ሃገር ተላኢኹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ በጀት ዓመት ትሽዓተ ኣዋርሕ ናይዚ ካብ ወፃኢ ሃገራት ናብ ኢትዮጵያ ብሬሚታንስ 5 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ተላኢኹ ኢሉ ግልጋሎት ዲያስፖራ ኢትዮጵያ፡፡ ሓላፊ ክፍሊ ትልሚ እቲ ግልግሎት ወንድወሰን ተረፈ ንፋና ዲጂታል ከምዝበለዎ÷ ኩለመዳያዊ…

እቲ ኣዋጅ ምስ ዓለም ለኸ ሕግታት ዝተጠዓዓመ እዩ- ግልጋሎት ደሕንነት ፋይናንስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ብገበን ዝተረኸበ ንብረት ወይ ድማ ገንዘብ ሕጋዊ ኣምሲሉ ምቕራብን ንግብረ ራዕዲ ብገንዘብ ምሕጋዝን ንምቁፅፃርን ንምክልኻልን ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ግብረ ራዕዲ ንምክልኻልን ገበን ንምቁፅፃርን ዘኽእል ከምኡ እውን ምስ ዓለም ለኸ ሕግታት ዝተጠዓዓመ እዩ…

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ንሓደሽቲን መስፋሕፍሒን ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት መስርሒ ቦታ ቁልፊ ኣረኪበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ንሓደሽቲን መስፋሕፍሒን ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት መስርሒ ቦታ ቁልፊ ኣረኪበን፡፡ እተን ከንቲባ ንማሕበረሰብ ንግዲን ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ኣብ ዘዛተናሉ እዋን ኣብ ዘቕረብዎ ሕቶ መሰረት ምላሽ…