Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ቢዝነስ

ናህሪ ዋጋ ወርሒ ሰነ ብ24 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ወሰኽ ኣርእዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ናህሪ ዋጋ ወርሒ ሰነ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ብ24 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ወሰኽ ኣርእዩ። ኣብ ወርሒ ሰነ ወሰኽ ዋጋ መግቢ ተንከፍ እውን ብ28 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ከምዝወሰኸ ተገሊፁ። ስጋ፣ ዘይቲ ብልዒ፣ ጠስሚ፣ ቅመማቅመም፣…

መርከብ ኢትዮጵያ ኣብ ወደብ በርበራ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚራ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) “ጊቤ” በዝብል እትፍለጥ መርከብ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሌ ላንድ፣ ወደብ በርበራ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚራ። እታ መርከብ ድሕሪ 20 ዓመታት ንመጀመርታ ጊዘ ኢያ ኣገልግሎት ምሃብ ዝጀመረት እንትትከውን፥ “ገልፍ ኢንዲያ ሰብ ኮንቲነንት” ካብ ዝበሃል ከባቢ…

ኢትዮ ቴሌኮም ኣገልግሎት 4ጂ ኣብ 12 ከተማታታት ብዕሊ ኣጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ኣገልግሎት ኢንቴርኔት 4ጂ ኣብ 12 ከተማታታት ብዕሊ ኣጀሚሩ። እቲ ኣገልግሎት ምጅማሩ ንሃገራዊ ዕብየትን ምዕባለን ልዕል ኣበርክቶ ከምዘለዎ ተገሊፁ። ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ፥ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ…

ኩባንያ ባላድና ኳታር ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ምውፋር ከምዝደሊ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍራዪ ፀባን ውፅኢት ፀባን ዝኾነ ኩባንያ ባላድና ኳታር ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ምውፋር ከምዝደሊ ገሊፁ። እቲ ኩባኒያ ኣብ ምፍራይ እንስሳት፣ መፍራይ ፀባን ውፅኢት ፀባን፣ ከይዲን ኣጠቓቕማ ዘመናዊ ቴክኖሎጂን ኣተዓሻሽጋ ፍሪያት ኣብ…

ህንፀት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ሚዛን ኣማን ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ እምነ ኩርናዕ ዝተነበረሉ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ሚዛን ኣማን ህንፀቱ ብዕሊ ተጀሚሩ። እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ብ925 ሚሊየን ብር ዝህነፅ እንትኸውን፥ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ክዛዘም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።…

ኢንጂነር ታከለ ኡማ  ምስ ኣፍረይቲ እምነ በረድ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ሚኒስትር ማዕድንን ነዳዲን ኢንጂነር ታከለ ኡማ  ምስ ኣፍረይቲ እምነ በረድ ተዛቲዮም። ኢንጅነር ታከለ ኡማ፥ ሃፍቲ መኣድን ኢትዮጵያ ብብዙሕ መገዲ ዝግለፅ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ብዙሕ መልክዕ ዘለዎ ሃፍቲ መኣድን ኢትዮጵያ ብኣግባቡ ምጥቃም ድማ…

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዓማዊል ብምጉዕዓዝ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2020 ዓማዊል ብምጉዕዓዝ ቀዳማይ ደረጃ ከምዝሓዘ ማሕበር መገዲ ኣየር ኣፍሪካ ዕላዊ ገይሩ፡፡ እቲ ማሕበር መገዲ ኣየራት ኣብ ዓመታዊ ኣገልግሎት ፅዕነተን ኣመልኪቱ ብዝህቦ ደረጃ ኢዩ እቲ መገዲ ኣየር ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ…

ኣብ ካናዳ ንዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዝኸውን ልዕሊ 376 ሽሕ ዶላር እቶት ከምዝተኣከበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ሰነ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ካናዳ ንዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዝኸውን ልዕሊ 376 ሽሕ ዶላር እቶት ከምዝተኣከበ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ካናዳ ገሊፁ። ኣብታ ሃገር ፍልይቲ መልእኽተኛ ኢትዮጵያን በዓልቲ ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደርን ናሲሲ ጫሊ፥ ኣብ ካናዳ ዝነብሩ…

ኣብ ትልሚ ዓመተ 2014 ንናህሪ ዋጋ ትኹረት ንክወሃብ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት እቶት በጀትን ፋይናንስን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ትልሚ ዓመተ 2014 ንናህሪ ዋጋ ትኹረት ንክወሃብ ሓቲቱ። እቲ ኮሚቴ ምስ ኣረዳእቲ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣብ ዘካየዶ መድረኽ ዘተ ኢዩ ነዚ ዝበለ። ብተወሳኺ ኣበቲ ሓዱሽ በጀት…

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ በረራ ኣጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቋፁዎ ዝነበረ ናብ ኣስመራ ዝግበር በረራ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ። እቲ መገዲ ኣየር ካብ ሎሚ መዓልቲ ኣገልግሎት በረራ ምጅማሩ፥ ካብቲ መገዲ ኣየር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡ እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦ ቴሌግራም ገፅና…