Browsing Category
ቢዝነስ
መንግስቲ ካብ ወፃኢ ኣብ ዘእትዎ ዘይቲ ብልዒ መስተኻኸሊ ዋጋ ገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ካብ ወፃኢ ኣብ ዘእትዎ ዘይቲ ብልዒ መስተኻኸሊ ዋጋ ምግባሩ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ዲኤታ ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣይተ እሸቴ ኣስፋው፥ እቲ ዘይቲ ብልዒ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበረሉ ዋጋ ኣብ ሓደ ሊትሮ ብር 4ን 30…
ኣብ ትግራይ ኣብ እዋን ሃይማኖታዊ በዓላት ንዝፍፀም ሕርዲ እንስሳ ዝኸውን መተግበሪ ትልሚ ዕላዊ ተገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንኡስ ግብረ ሓይሊ ቁጠባ ህፁፅ ኣዋጅ ትግራይ ኣብ እዋን ሃይማኖታዊ በዓላት ንዝፍፀም ሕርዲ እንስሳ ዝኸውን መተግበሪ ትልሚ ዕላዊ ገይሩ።
ብመሰረት እዚ፦
ጉዚ ስጋ (ቤት ሕርድታት ኣብ ዘይብሉ ኩነታት)
ሀ/ ጉዚ ስጋ ኣብ ዝግበረሉ እዋን…
ማይክሮ ፋይናንስ ደደቢት ክፍሊት ዕዳ ብ3 ወርሒ ኣናዊሓ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ማይክሮ ፋይናንስ ደደቢት ብዓማዊላ ዝኽፈል ዕዳ ን3 ወርሒ ከምዘናወሐቶ ተገሊፁ።
ከም ኣድላይነቱ ድማ ካብኡ ንላዕሊ ክናዋሕ ከምዝኽእል ኣቦመንበር ቦርድ እታ ተካል ኣይተ ተኽለወይኒ ኣሰፋ ኣፍሊጦም።
እቲ ምንዋሕ ክፍሊት ዕዳ ዝምልከቶን…
ባንኪ ወጋገን ንምክልኻል ቫይረስኮሮና ዝውዕል ብር 3 ሚልየን ሓገዝ ገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባንኪ ወጋገን ንምክልኻል ቫይረስኮሮና ዝውዕል ብር 3 ሚልየን ሓገዝ ገይሩ።
እዚ ሕማም ኩለመደያዊ ተሳትፎ ስለዝሓትት ነዚ ሓገዝ ኣበርኪትና ዝበሉ ኣካያዲ ስራሕ ጨንፈር መቐለ እቲ ባንኪ ኣይተ ሃፍቶም ገብረ እግዚኣብሄር፥ ንቐፃሊ እውን ኣብ ጎድኒ…
ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝህቦም ኣገልግሎታት ደው ከምዘየብል ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝህቦም ኣገልግሎታት ደው ከምዘየብል ገሊፁ።
እቲ ትካል ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ከምዝሓበሮ፥ ብምኽኒያት ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ካብ ካሊእ እዋን ብዝተፈለየ ወሰኽ ቁፅሪ…
ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ምስ ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ዴቪድ ማልፓስ፥ ኮቪድ-19 ዘስዕቦ ኢኮኖሚያዊ ምንጋዕ ምክልኻል ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ብምድሃብ ተዛቲዮም።
እቶም መራሕቲ ኣብ ዘሳለጥዎ ዘተ፥ ልቓሕ ዝኽፈለሉ እዋን ብዛዕባ…
ኢትዮጵያን ብሪታኒያን ስምምዕነት ሓገዝ ብር 965 ሚሊየን ተፈራሪመን
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያን ብሪታኒያን ስምምዕነት ሓገዝ ብር 965 ሚሊየን ተፈሪሙ።
እቲ ስምምዕነት ሓገዝ፥ ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ኣይተ ኣድማሱ ነበበን ተወካሊ ትካል ዓለም ለኸ ልምዓት እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ ክርስቲያን ሮግን ኢዮም ተፈራሪሞምዎ።…
ባንኪ ዓለም ኢትዮጵያ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ትገብሮ ፃዕሪ ዝኸውን 82 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ሓገዝ ገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባንኪ ዓለም ኢትዮጵያ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ትገብሮ ፃዕሪ ዝኸውን 82 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ሓገዝ ገይሩ።
ኢትዮጵያ ዝርገሐ ናይ̕ቲ ቫይረስ ብምቁፅፃር ኣብ ሓፂር እዋን እግሪ ንኽትተክል ኣብ ዘኽእሉዋ ዓውዲታት ዝውዕል ሓገዝ ከምዝኾነ…
ግድብ ህዳሰ ብራኸ ኣተሓሳስባን ተግባርን ኢትዮጵያውያን ኢዩ – ፕሬዚዳንት ሳህለወረቅ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ብራኸ ኣተሓሳስባን ተግባርን ኢትዮጵያውያን ኢዩ ክብላ ፕሬዚዳንት ፌዴሬኢ ሳህለወረቅ ዘውዴ ገሊፀን።
እተን ፕሬዚዳንት መበል ታሽዓይ ዓመት ምጅማር ህንፀት እቲ ግድብ ኣመልኪተን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ንዓመታት ኣብ ልዕሌና…
ኢትዮጵያን ባንኪ ኤግዚም ኮሪያን ስምምዕነት ልቓሕ 93 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ተፈራሪሞም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ባንኪ ኤግዚም ኮሪያ ስምምዕነት ልቓሕ 93 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ተፈራሪማ።
እቲ ስምምዕነት ልቓሕ ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ኣይተ ኣድማሱ ነበበን ማኔጂንግ ዳይሬክተር ባንኪ ኤግዚም ኮሪያ ሺን ዲኦግ ዮንግን ኢዮም ተፈራሪሞምዎ።…