Browsing Category
ቢዝነስ
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንበዓል ልደት ጠለባት ዘቕርቡ ኣውደ ምርኢታት ክኽፈቱ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንበዓል ልደት ሰሙን ሙሉእ ጠለባት ዘቕርቡ ኣውደ ምርኢታት ከምዝኽፈቱ ቢሮ ንግዲ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።
ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን ቢሮ ንግዲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰውነት ኣየለ ንፋናብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ÷ እቶም ኣውደ…
ባንኪ ኢንተርናሽናል ንብ ኣብ ሃዋሳ ዘህነፆ በዓል 12ን 14ን ደብሪ ህንፃ የመርቕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ኢንተርናሽናል ንብ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዘህነፆ በዓል 12ን 14ን ደብሪ ህንፃ የመርቕ ኣሎ።
እቲ ባንኪ ሸሞንተ ቅርንጫፋትን ቤት ፅሕፈት ዲስትሪክትን ኣብታ ከተማ ብምኽፋት ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ይህብ ከምዘሎ ተገሊፁ።
ባንኪ ኢንተርናሽናል…
ጣቢያ ባቡር ሰበታ ስራሕ ጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበገሲ ትራንስፖርት ባቡር ኢትዮ-ጂቡቲ ዝኾነ ጣቢያ ባቡር ሰበታ ስራሕ ጀሚሩ።
ሚኒስትር ዴኤታ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዴንጌ ቦሩ፣ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ትራንስፖርት ባቡር ኢትዮ-ጂቡቲ ዶክተር ኣብዲ ዘነበን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ…
ውዕሊ ስምምዕነት 5 ነጥቢ 13 ቢሊየን ብር ፕሮጀክት ህንፀት ተፈረመ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር መስኖን ቆላማ ከባቢ ምስ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ኩባንያ ሃንሶል ፔፐር ደቡብ ኮሪያ ብ5 ነጥቢ 13 ቢሊየን ብር ልምዓት መስኖ ከርሰ ምድሪ ኣደኣ በቾን ፕሮጀክት ህንፀፅ ገፀር ልምዓትን ውዕሊ ስምምዕነት ተፈራሪሞም፡፡
እቲ ፕሮጀክት ኣብ…
ልኡኽ ኢንቨስትመንት ቻይና ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ቦሌ ለሚ ዑደት ኣሳሊጦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ልኡኽ ኢንቨስትመንት ቻይና ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ቦሌ ለሚ ዑደት ኣሳሊጦም።
እቲ ልኡኽ፥ ብምክትል ፀሓፊ ቀዋሚ ኮሚቴ ግዝኣት ጂሊ፣ ምክትል ሴክሬታሪ ጄኔራል ምምሕዳር ፉያንግ ዋንግ ፈሂሁ፣ ኣዶ መንበር ኮሚቴ ምትሕብባርን ሕውነትን ኢትዮጵያ ቻይና ቤቲ…
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ሲቲ ግሩፕ 5 ኣውሮፕላናት ንምግዛእ ዘኽእል ናይ 450 ሚሊየን ዶላር ስምምዕነት ልቓሕ ተፈራሪሙ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ሲቲ ግሩፕ ሓሙሽተ ኣውሮፕላናት ንምግዛእ ዘኽእል ናይ 450 ሚሊየን ዶላር ስምምዕነት ልቓሕ ተፈራሪሙ።
እቲ ገንዘብ ንሓሙሽተ ሓደሽቲ ኣውሮፕላናት ምግዛእ ዘኽእል ከምዝኾነ ኣብ መገዲ ኣየር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።…
ሰብ ሃፍቲ ሩሲያ ኣብ ዓውዲ ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ንክሳተፉ ተሓቲቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ሃፍቲ ሩሲያ ኣብ ዓውዲ ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ንክሳተፉ ተሓቲቱ።
ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል፥ ብሓላፊ ኤጀንሲ ሃፍቲ ዕደና ሩሲያ ኢቭጌኒ ፔትሮቭ መስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ዘቲዮም።
ነቶም ሰብ ሃፍቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ…
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓደሽቲን ነባርን ማእኸላት ዕዳጋ ንሳልሳይ ወገን ክተሓላለፍ ኢዩ ተባሂሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዕግበት ማሕበረሰብ ክብ ብምባል ዝሓሸ ኣገልግሎት ንክህሊ ንምኽኣል ኣብ ኣዲስ ኣበባ 12 ሓደሽቲን ነባርን ማእኸላት ዕዳጋ ንሳልሳይ ወገን ክተሓላለፍ ኢዩ ተባሂሉ።
ዳይሬክተር ጉዳያት ኮሚኑኬሽን ቢሮ ንግዲ ሰውነት ኣየለ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት…
ሰብ ሃፍቲ ብራዚል ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ኢንቨስት ንክገብሩ ፃውዒት ቀሪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ሃፍቲ ብራዚል ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ኢንቨስት ንክገብሩ ፃውዒት ቀሪቡ።
ፎረም ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኢትዮ-ብራዚል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።
ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ኢንዱስትሪ ኣክሊሉ ታደሰ፥ እቲ ኮርፖሬሽን ንቀጥታ…
ኣብ 10 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር መሬት ዝነበረ ኣዝርእቲ ከምዝተኣከበ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 10 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር ዝነበረ ኣዝርእቲ ከምዝተኣከበ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ።
ኣፈፃሚ ርክብ ህዝብን ስራሕቲ ኮሚኒኬሽንን እቲ ሚኒስቴር ኣይተ ከበደ ላቀው፥ ኣብ እዋን ክራማት ካብ ዝተዘርአ 17 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር መሬት ዘራእቲ…