Browsing Category
ቢዝነስ
ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ካብ ንግዲ ሰደድ ወፃኢ ልዕሊ 2 ነጥቢ 9 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ 2015 ዓ.ም ካብ ንግዲ ሰደድ ወፃኢ ልዕሊ 2 ነጥቢ 9 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ገሊፁ።
እቲ ኣታዊ ዝተፈላለዩ ፍሪያታት ብምልኣኽ ዝተረኸበ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ንግዲ ዝለምዐ…
ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ መዓልታዊ 25 ሽሕ ኩንታል ምፍራይ ኣብዚ ሰሙን ክጅምር ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ወልቀ ማሕበር ካብ ዘለናዮ ሰሙን ኣትሒዙ መዓልታዊ ገሊፁ።
እቲ ፋብሪካ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ብሙሉእ ዓቕሙ ከፍርየሉ ዝኽእለሉ ኩነታት ተዓናቒፉ…
ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣባላት ቤት ምኽሪ ንግዲ ኣሜሪካ መስ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ዘቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣባላት ቤት ምኽሪ ንግዲ ኣሜሪካ መስ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍጹም አሰፋ (ዶ/ር) ዘቲዮም።
እቲ ዘተ ብቐንዱ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ምቹእነት ንግዲን ኢንቨስትመንትን ጠመተ ዝገበረ ከምዘኾነ ተገሊፁ።
ኢትዮጵያ…
ሰብ ሃፍቲ ፓኪስታን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዋፅኡ ዓውዲታት ንክሳተፉ ፃውዒት ቀሪቡ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዝተሳተፈትሉን ቤት ምኽሪ ንግድን ኢንዱስትሪ ኢዝላማባድ ዘዳለዎን ጉባኤ ቢዝነስ ተኻይዱ።
ሚኒስቴር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ አረጋ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ኢንቨስትመንት ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ንክዋፈሩ ዘኽእል…
ባንኪ ኣባይቲ ጎህ ኣባይቲ ንምህናፅ ዘኽእሎ ውዕሊ ከቲሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ኣባይቲ ጎህ ምስ ኣልማዕቲ ገዛ ብምትሕብባር ኣባይቲ ንምህናፅ ዘኽእሎ ውዕሊ ስምምዕነት ተፈራሪሙ።
እቲ ባንኪ ኣብ ቀዳማይ ዙር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዝህነፁ ኣባይቲ ምስ ማሕበር ኣክሲዮን ሃፍቲ ልምዓትን ዕድጊትን ጎህ ስምምዕነት ተፈራሪሙ።…
ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ መናእሰይ ናብ ስራሕ ንምእታው ጠሚቱ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ መናእሰይ ናብ ስራሕ ንምእታው፣ ስራሕቲ ምህዞን ኢንቨስትመንትን ንምትብባዕ ጠሚቱ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ።
ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ 9 ኣዋርሕ 2015 ዓ.ም ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ክልላት ብምዃን ኣሳሊጡ።…
ብሄራዊ ባንኪ ንሳፋሪ ኮም ኣገልግሎት ፍቓድ ክፍሊት ገንዘብ ብሞባይል ሂቡ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ባንኪ ንሳፋሪ ኮም ኣገልግሎት ክፍሊት ገንዘብ ብሞባይል ንክጅምር ዘኽእል ፍቓድ ሂቡ።
ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ማሞ ምህረቱ፥ እቲ ባንኪ ኣገልግሎት ዲጅታል ፋይናንስ ምሃብ ዘኽእሎ ኣገልግሎት ክፍሊት ገንዘብ ብሞባይል ንሳፋሪ ኮም ከምዝሃበ…
ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ንልዕሊ 2 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ተፈጢሩ – ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ንልዕሊ 2 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ምፍጣር ከምዝተኽኣለ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ገሊፁ።
እቲ ሚኒስቴር÷ ንልዕሊ 3 ሚሊየን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ተሓሲቡ፤ ንልዕሊ 2 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዜጋታት ዕድል…
ኢትዮጵያ ኣብ ዓመታዊ ጉባኤ ኢንቨሰትመንት ትሳተፍ ኣላ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ዓመታዊ ጉባኤ ኢንቨሰትመንት ትሳተፍ ኣላ።
ብሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ገብረመስቀል ጫላ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብቲ መድረኽ ይሳተፍ ከምዘሎ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ኢትዮጵያ…
ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያታት ኢንዱስትሪ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምትካእ ብዝበለፀ ምስራሕ ይገባእ – ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብልዑል ሸርፊ ወፃኢ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያታት ኢንዱስትሪ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምትካእ ብዝበለፀ ምስራሕ ከምዝግገባእ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪያት ካሚል ተዛሪበን።
ኣካል ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ዝኾነ ውፅኢታት ፈጠራ ደቀቕቲ…