Browsing Category
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ
ፓርክ ኢንዱስትሪ መቐለ ናብ ስራሕ ንምእታው ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርክ ኢንዱስትሪ መቐለ ናብ ስራሕ ንምእታው ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ይካየድ ከምዘሎ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ፓርክ ኣይተ ፊልሞን ተረፈ ኣፍሊጦም።
ምስ ኢትዮ ቴሌኮም ሰሜን ሪጅን ብምትሕብባር ዝርገሐ መስመር ኢንተርኔት ናይ ምዝዛም ተግባር ከምዝተኻየደ…
ኢትዮጵያን ጣሊያንን ኣብ ድሕንነት ሳይበር ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ዳይሬክቶሬት ሳይበር ኦፕሬሽን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ክፍሊ ሳይበር ሰራዊት ምክልኻል ጣሊያንን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም።
ዳይሬክተር ሳይበር ኦፕሬሽን ሰራዊት ምክልኻል ኮሎኔል ሃገር ኣስቻለ ከምዝበሉዎ÷ እቲ ስምምዕነት ኣብ ዓውዲ…
ኣብቲ ዝነበረ ኲናት ዝተሳተፈ ኩሉ ዕጡቕ ኣብ መስርሕን ረብሓን ዳግመ ፅንበራ ተረባሒ ከምዝኸውን ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኲናት ዝተሳተፈ ኩሉ ኣባል ዕጡቕ ክልል ትግራይ ኣብ መስርሕን ረብሓን ዳግመ ፅንበራ(DDR) ተረባሒ ከምዝኸውን ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኣይተ ተስፋኣለም ይሕደጎ ገሊፆም።
ይኹን እንበር እቲ መስርሕ ብቕደም ሰዓብ ከምዝፍፀም…
ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሽልማት ፎረም ኢንቨስትመንት ስማርት ከተማታት ኣፍሪካ ተበርኪቱሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሽልማት ፎረም ኢንቨስትመንት ስማርት ከተማታት ኣፍሪካ ተበርኪቱሉ።
እቲ ሽልማት ብልምዓት ኮሪደር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንነበርታን ንኣጋይሻን ምችውቲን ትስማዕማዕን ንምግባር ኣብ ሓፂር እዋን ዝተረኸበ ዘዕግብን ውፅኢታዊ…
ዓውደ ምርኢትን ሲምፖዚየምን “ኢትዮ- ግሪን ሞቢሊቲ 2024” ተኸፊቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)"ኢትዮ- ግሪን ሞቢሊቲ 2024" ዝተሰመየ ዓለም ለኸ ዓውደ ምርኢትን ሲምፖዚየምን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፓርክ ኢንዱስትሪ ሁዋንጃን ተኸፊቱ።
ህንፀት ሓምለዋይ ትራንስፖርት ንምብርትታዕን ተዋሳእቲ እቲ ዓውዲ ንምንቕቓሕ ዝዓለመ ዓውደ ምርኢትን ሲምፖዚየምን…
መናእሰይ ኣብ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ምስታፎም ንምንታይ ኣድለየ?
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መናእሰይ ኣብ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ብምቕሓት ይሳተፉ ኣለዉ።
እቶም መናእሰይ ምስታፎም ዘድለየሉ ምኽኒያታት ብቐንዱ፦
መናእሰይ ኣብ ጎንፂን ዘይምርድዳእን ብዝበለፀ ተጎዳእቲ ብምዃኖም
መናእሰይ ኣብ ምጣነ ስነ ህዝቢ ኢትዮጵያ ልዕሊ ሲሶ ቁፅሪ…
ባንኪ ዓለም ንዓውዲ ጥዕና ዝገብሮ ደገፍ ንከጠናኽር ተሓቲቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ምስ ሓዳሽ ተሸያሚት ካንትሪ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ሚሪያም ሳሊም ዘቲየን።
እቲ ዘተ፥ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ሓቢርካ ምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ዶ/ር መቅደስ ዳባ፥ ኢትዮጵያ…
ንግብርና ክላስተር ዝተውሃቦ ጠመተ ልዑል ለውጢ የምፅእ ኣሎ-ም/ቀ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ንግብርና ክላስተር ዝተውሃቦ ጠመተ ልዑል ለውጢ የምፅእ ኣሎ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ተምሳሌት ሰላም ዝኾነት ወረዳ ደጀን…
ክልል ኦሮሚያ ጉጅለታት ግብረ ራዕዲን ፅንፈኛን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዝፍፅምዎ ጭካነ ዝተመልኦ ተግባር ኣውጊዙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ጉጅለታት ግብረ ራዕዲን ፅንፈኛን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዝፍፅምዎ ጭካነ ዝተመልኦ ተግባር ኣውጊዙ።
ሓላፊ ቢሮ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ኣይተ ሃይሉ ኣዱኛ ኣብቲ ክልል ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ጠሚቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኣብ…
እቲ ዝተጀመረ መስርሕ ዲሞቢላይዜሽን ኣፈላላይ ብሰላማዊ ዘተ ንምፍታሕ ዘሎ ድልውነት ዘረጋግፅ እዩ -ብ/ጀነራል ደርቤ ሞኩርያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)እቲ ዝተጀመረ ምፍታሕ ዕጥቂን ዳግመ ፅምበራን ነበር ተዋጋእቲ ክልል ትግራይ ኣፈላላይ ብሰላማዊ ዘተ ንምፍታሕ ዘሎ ድልውነት ዘረጋግፅ እዩ ክብሉ ምክትል ኮሚሽነር ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኢትዮጵያ ብርጋዴር ጀነራል ደርቤ ሞኩርያ ገሊፆም።
እቲ ምፍታሕ…