Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

ርእሰነ ምምሕዳር ክልላት በዓል ኢሬቻ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲን ርእሰነ ምምሕዳርን ክልላት በዓል ኢሬቻ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም። መንግስቲ ክልል ሐረሪ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ እንኳዕ አብፀሓኩም÷ ኢሬቻ ሓድነት፣ ሓበራውነትን ምትሕብባርን ዘጎልብት ባዓል ከምዝኾነ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) በዓል ኢሬቻ 2017 ዓ.ም ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2017 ዓ.ም(ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) በዓል ኢሬቻ 2017 ዓ.ም ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ሰናይ ትምኒቶም ኣመሓላሊፎም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ “እንኳዕ ኣፀጋሚ እዋን ክራማት ብምሕላፍ ናብ…

ኣብ ትግራይ ብኩታ ገጠም ይለምዕ ኣብ ዘሎ ዝራእቲ ዑደት ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞቦ ደቡብ ክልል ትግራይ ወረዳ እንዳ መኾኒ ጣብያ መኻን ቁሸት ምስረታ ናብ ሓረስቶት ተኣታቲዩ ብኩታ ገጠም (ብክላስተር ) ይለምዕ ኣብ ዘሎ ዝራእቲ ዑደት ይሳለጥ ኣሎ። እቲ ዑደት፥ ዘራእቲ ስርናይ በፅሕዎ ዘሎ ብርኪ ዕብየት ንምዕዛብን ናብ…

ብሄራዊ ኮሚቴ ምውዳድ ሚኒስትራት ብሪክስ ኢትዮጵያ 3ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ኮሚቴ ሚኒስትራት ብሪክስ ኢትዮጵያ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብቲ ኣኼባ ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ብሪክስ ዘለዋ ተሳትፎ ስትራቴጂ፣ ላዕለዋይ ኮሚቴ ሰብ ሞያ ዘካየዶ ኣብዚ ዓመት ኢትዮጵያ ኣብ ብሪክስ ዝነበራ ተሳትፎ ከምዝተገምገመን…

መበል ሻድሻይ ፎረም ኢሬቻ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል ሻድሻይ ፎረም ኢሬቻ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ይካየድ ኣሎ። ኣብቲ ፎረም፥ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ኣባገዳታት፣ ሃደ ሲንቄታትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ዝርከብ ዝራእቲ ጣፍ ኣብ ፅቡቕ ብርኪ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ላዕላይ ማይጨው ጣብያ ሓፀቦን ደብረብርሃንን ዝርከብ ዝራእቲ ጣፍ ኣብ ፅቡቕ ብርኪ ከምዘሎ ማእከል ምርምር ሕርሻ ኣክሱም ገሊፁ። እቲ ማእኸል፥ ኣብ ክልል ትግራይ ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅን ዝሓሸ ኣማራፂ ኣዝርእቲን…

ብሄራዊ ኮሚቴ ትግበራ ናፃ ቀጣና ንግዲ ኣፍሪካ ስርሑ ብወግዒ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) ብሄራዊ ኮሚቴ ትግበራ ናፃ ቀጣና ንግዲ ኣፍሪካ ስርሑ ብወግዒ ከምዝጀመረ ሚኒስትር ንግዲን ቀጣናዊ ዝምድናን ካሳሁን ጎፌ(ዶ/ር) ኣፍሊጦም። እቶም ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ኮሚቴ ኣግባብነት ዘለወን…

ኣብ መቐለ ብ9 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓታት ክህነፁ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብ9 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓታት ንምህናፅ ትልሚ ከምዝሓዘ ገሊፁ። እቲ ዝተትሓዘ ትልሚ ዝጠመተ መድረኽ ዘተ ምስ ነበርቲን ዝምልከቶም ኣካላትን ይካየድ ኣሎ። ከንቲባ ምምሕዳር እታ ከተማ ይትባረክ…

ኣብ ዝተፈላለያ ክፍላተ ከተማ ኣዲስ ኣበባ በዓል ኢሬቻ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለያ ክፍላተ ከተማ ኣዲስ ኣበባ በዓል ኢሬቻ ይኽበር ኣሎ። እቲ በዓል “ኢሬቻ ንህዳሴ ባህልና” በዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ዝኽበር ዘሎ። ኣብ ስነ ሰርዓት ምኽባር እቲ በዓል፥ ኣባገዳታት፣ ሃደሲንቄታት፣ ዝተፈላለዩ ብሄር ብሄረሰባትን…

ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ ብድምቀት ንክኽበር ቅድመ ምድላው ብምዝዛም ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ሓይሊ ፀፅታ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) 25 መስከረም 2017 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኽበር ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ ብድምቀትን ብሰላምን ንክኽበር ቅድመ ምድላው ብምዝዛም ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ሓይሊ ፀፅታ ኣፍሊጡ። ኣካላት ፀፅታ ዝገብርዎም ተግባራት ኣብ ዝተዳለወ ትልሚ ይካየድ ኣሎ።…