Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

ሓይሊ ኣየር ዘበኑ ዝበፅሖ ዕጥቂ ክሳብ ምዕጣቕ ዝበፅሐ ትካል ኩርዓት ሃገር ኮይኑ ኢዩ – ሌ/ጀ ይልማ መርዳሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ኣየር ዘበኑ ዝበፅሖ ዕጥቂ ክሳብ ምዕጣቕ ዝበፅሐ ኩርዓት ሃገር ዝኾነ ትካል ኢዩ ክብሉ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሌቴናል ጀኔራል ይልማ መርዳሳ ገሊፆም። ወታደራዊ ኣካዳሚ ኢትዮጵያ መበል 70 ሕፁያት መኮንናትን ሰልጠንቲን ቃኘው ኮርስ ኣብቲ ሓይሊ…

ዓውደ ምርኢት ዲፕሎማሲያዊ ምሕዝነት ኢትዮ-ጂቡቲ ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 127 ዓውደ ምርኢት ዲፕሎማሲያዊ ምሕዝነት ኢትዮ-ጂቡቲ ብዕሊ ተኸፊቱ። ኣብ መኽፈቲ እቲ ዓውደ ምርኢት÷ ዋና ፀሓፊ በዓል መዚ በይነ መንግስታት ልምዓት ብምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ተረኺቦም፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣቦ…

ኣይተ ማሞ ምህረቱ ምስ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኩባንያ ቪዛ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኣይተ ማሞ ምህረቱ ምስ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኩባንያ ቪዛ ሪያን ማኪነርኒ ተዛቲዮም። ኣብ ዘተኦም ድማ÷ ኢትዮጵያ ምስ ኩባንያ ቪዛ ዘለዋ ምሕዝነት ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዘቲዮም፡፡ ሓደሽቲ ኣማራፂታት ዲጂታል…

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣተሓባባሪ ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣተሓባባሪ ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ሳሚኤል ዶን ምክትሎም ቻሩ ቢስትን ተዛቲዮም። ሎሚ መዓልቲ ኣብ መቐለ ተራኺቦም ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያትን ኩነታት…

ኣብ መበል 37 ጉባኤ እቲ ሕብረት ካብ 1 ሺሕ ዝበልፁ ሰብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽ ሽፋን ከረክብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 37 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ዝነብሩ ካብ 1 ሺሕ ዝበልፁ ጋዜጠኛታት ሽፋን ሚዲያ ክህቡዎ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ተሓቢሩ። መበል 37 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ካብ 9 ክሳብ 10 ለካቲት 2016…

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፅባሕ ዝተፈላለዩ ሹመታት ከፅድቕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 3ይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 15 ስሩዕ ኣኼባ ሽመት ኣፈፀምቲ ኣካላት ከፅድቕ ኢዩ፡፡ እቲ ባይቶ÷ ቃለ ጉባ 3ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 1ይ ፍሉይን ኣኼባን መበል 14 ስሩዕ ኣኼቡኡ መርሚሩ ብምፅዳቕ ስሩዕ ኣኼባ እቲ ዕለት…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዝደንት ዩኒየን ኮሞሮስ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዝደንት ዩኒየን ኮሞሮስ ኣዛሊ ኣሱማኒን ተዛቲዮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንፕሬዝደንት ዩኒየን ኮሞሮስን ጉጅለ ልኡኾምን ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ብዕላዊ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ…

ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር) ዝተሸለሙዎ ሽልማት ኣግሪኮላ ውፅኢት ተምሳሌታዊ ኣወሃህባ ኣመራርሓ ኢዩ – ኤምባሲ ቻይና 

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ትካል ምግቢን ሕርሻን (ፋኦ) ዘበርከተሎም ሽልማት ኣግሪኮላ ውፅኢት ተምሳሌታዊ ምሃብ ኣመራርሓ ከምዝኾነ ምክትል ሓላፊ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ሺን ቺንሚን ተዛሪቦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ቀረባ…

በዓል መዚ ካፒታል ዕዳጋ ኢትዮጵያ ካብ ዝቕፅል ሰኑይ ጀሚሩ ፍቓድ ምሃብ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ ካፒታል ዕዳጋ ኢትዮጵያ ካብ ዝቕፅል ሰኑይ 4 ለካቲት 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ፍቓድ ምሃብ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ። ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ብሩክ ታዬ (ዶ/ር) ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ እቲ ትካል ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ንባዕሉ ኣብምውዳብ ማዕቐፍ…

ካብ ሃገር ክወፅእ ዝነበረ 30 መርሚል ነዳዲ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገር ክወፅእ ዝነበረ 30 መርሚል ነዳዲ ምስተሸከርካሪኡ ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ፡፡ መበገሲኡ ኣብ ክልል ሶማሌ ዞን ኣፍዴር ዶሎ ባይ ዝገበረ እቲ ነዳዲ ናብ ሶማሊያ ጁባላንድ ዶብ ጌደወይኒ ሓሊፉ ክሳገር እንትፍትን ኣብቲ ቦታ ግቡኡ…