Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ስፓርት

ኣብ ማድሪድ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ጎደና 10 ኪሎ ሜትሮ ዳዊት ወልዴ እንትዕወት ጥሩነሽ ዲባባ 3ይቲ ወፂኣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስፔን ከተማ ማድሪድ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ጎደና 10 ኪሎ ሜትሮ ኣትሌት ዳዊት ወልዴ እንትዕወት ኣትሌት ውርይቲ ጥሩነሽ ዲባባ 3ይቲ ወፂኣ። ጥሩነሽ ዲባባ እቲ 10 ኪሎ ሜትሮ ብ30 ደቒቕ 03 ሰከንድ ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው 3ይ ደረጃ ብመሓዝ…

ኬልያን ኤምባፔ ሪያል ናብ ጋንታ ሪያል ማድሪድ ብዕሊ ተፀምቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈረንሳዊ ተፃታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ኬልያን ኤምባፔ ብናነፃ ዝውውር ናብ ጋንታ ሪያል ማድሪድ ብዕሊ ተፀምቢሩ፡፡ ምስ ፈረንሳዊት ጋንታ ፓሪስ ሴን ዠርሜ (ፒ ኤ ሲ ጂ) ዝነበሮ ውዕሊ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 30 ሰነ 2024 ዝዛዘም ኤምባፔ÷ ብሓሙሽተ…

ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ብውድድር ጒያ 5 ሺሕ ሜትሮ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ብውድድር ጒያ ዳይመንድ ሊግ 5 ሺሕ ሜትሮ ተዓዊቱ። ኣብቲ ውድድር  12፡36፡73 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ኢዩ ተዓዊቱ። ኣትሌት ሓጎስ፥ ኣብ ታሪክ ናይ ኩሉ ግዘ ካልኣይ ቅልጡፍ ሰዓት ምምዝጋቡ ኣብ ኣትሌቲክስ ዓለም…

ቪንሴንት ኮምፓኒ ኣሰልጣኒ ጋንታ ባየር ሙኒክ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጀርመናት ጋንታ ባየር ሙኒክ ንቤልጂማዊ ቪንሴንት ኮምፓኒ ብኣሰልጣኒነት ከምዝሾመቶ ኣፍሊጣ፡፡ ኮምፓኒ ንጋንታ ባየር ሙኒክ ብሓላፍነት ተረኪቡ ዘሎ÷ ነበር ኣሰልኒ እታ ጋንታ ዝነበረ ቶማስ ቱሄል ምስንባታ ስዒቡ ኢዩ፡፡ በዚ ድማ ኣሰልጣኒ…

ኣትሌት ሱቱሜ ኣሰፋ ናብ ጉጅለ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ ተፀምቢራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ሱቱሜ ኣሰፋ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ኢትዮጵያ ብምውካል ናብ ዝሳተፍ ጉጅለ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ ተፀምቢራ። እታ ኣትሌት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ 8 ግንቦት ኣብ ኦሊምፒክ ፓሪስ ንኢትዮጵያ ብማራቶን ዝውክሉ ኣትሌታት ሽም ዝርዝር ዕላዊ…

ኣብ ዳይመንድ ሊግ ራባት ኢትዮጵያዊያን ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ብ5 ሺሕ ሜትሮ ተዓዊተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞሮኮ ራባት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ብ5 ሺሕ ሜትሮ ኢትዮጵያዊያን ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ተኸታቲለን ብምእታው ተዓዊተን። ኣብቲ ውድድር ኣትሌት መዲና ኢሳ 14:34.16 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ቀዳመይቲ እንትትወፅእ፤ ኣትሌት…

ማንቸስተር ሲቲ ሻምፒዮና ፕሪሜርሊግ እንግሊዝ ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ሻምፒዮና ፕሪሜርሊግ እንግሊዝ 2023/24 ኮይና። ሎሚ መዓልቲ ፍፃኡ ዝረኸበ ውድድር ፕሪሜርሊግ እንግሊዝ 2023/24÷ ማንቸስተር ሲቲ ንዌስትሃም 3 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ኢያ ሻምፒዮና ምዃና ክተረጋግፅ ክኢላ…

ውድድር ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ዓመተ 2023/24 ሎሚ ምሸት መፈፀምትኡ ክረክብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘበነ ውድድር 2023/24 ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ ምሸት ሰዓት 12፡00 ብተመሳሳሊ ሰዓት ብዝግበሩ ፀወታታት ክዛዘም ኢዩ። መሪሕ እቲ ሊግ ማንቼስተር ሲቲን እናተኸተለት ትርከብ ጋንታ ኣርሰናልን ፅዋዕ ናይ ምዕታር ዕድል ሒዘን ኣብ ሜዳአን…

ሰለሞን ባረጋ ብ5000 ሜትሮ ውድድር ደቂ ተባዕቲዮ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰለሞን ባረጋ ኣብ ሎስኣንጀለንስ ኣብ ዝተኻይድ ውድድር 5000 ሜትሮ ደቂ ተባዕቲዮ ተዓዊቱ። በሪሁ ኣረጋዊ ድማ ብ12:52.09 ብምእታው ካልኣይ ብምዃን ውድድሩ ምዝዛሙ ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ፓሪስ ማራቶን ቀነኒሳ በቀለ ሓዊሱ ተሳታፍቲ ኣትሌታት ተሓሪዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ፓሪስ ማራቶን ዝሳተፉ ቀነኒሳ በቀለ ሓዊሱ ብኽልቲኡ ፆታ ዝሳተፉን ተተካእቲን ኣትሌታት ብምሕራይ ዕላዊ ገይሩ። ብመሰረት እዚ ብደቂ ተባዕቲዮ፥ ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ፣ ሲሳይ ለማን ዴሬሳ ገለታን ተሓሪዮም ኣለዉ።…