Browsing Category
ዓለም ለኻዊ ዜናታት
ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ናብ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪካ ተሓዊሳ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 20መጋቢት ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ናብ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪካ ተሓዊሳ።
ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ዜጋታት እቲ ቀጣና ብዘይገደብ ብምንቅስቓስ ኣብ ዘካይድዎም ናፃ ምትእስር ዕዳጋን ነግዲን ተረባሒት ክምእትኸውን ተገሊፁ።
ኣቦ መንበር ምብራቕ…
ፕሬዚዳንት ፑቲንን ፕሬዚዳንት ዘለንስኪን ፊት ንፊት ዘተ ንምግባር ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ሞስኮ ገሊፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያን ዩክሬንን ኣብ ኢስታንቡል ብዘካየደኦ ድርድር ሰላም ፕሬዚዳንት ፑቲንን ፕሬዚዳንት ዘለንስኪን ፊት ንፊት ዘተ ንምግባር ኩነታት ከምዝተመዓራረዩ ሞስኮ ኣፍሊጣ።
ድርድር ሰላም ሩሲያን ዩክሬንን ፕሬዚደንት ረጅብ ጣይብ ኤርዶሃን ኣብ ዝተረኸቡሉ…
ምዕራባውያን ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ሚዛናዊነት ይጎድሎም ኢዩ – ቻይና
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ምዕራባውያን ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ዘዘለዎም ሚዛናዊነት ዝጎደሎ ኣረኣእያ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ገሊፃ።
ቤጂንግ ምዕራባውያን ኣብ ኢራቅ፣ ኣፍጋኒስታንን ሶሪያን ኣብ ዝነበረ ኲናትን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰልን ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተኻየደ…
ፕሬዚዳንት ኤርዶኻንን ቭላድሚር ፑቲንን ቀፃሊ ድርድር ሩሲያ-ዩክሬን ኣብ ቱርኪ ንምክያድ ተስማዕሚዖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኤርዶኻን ረጅብ ጣይፕ ኤርዶሃንን ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲንን ቀፃሊ ድርድር ሩሲያ-ዩክሬን ኣብ ቱርኪ ኢስታምቡል ንምክያድ ከምዝተስማዕምዑ ተገሊፁ።
ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ክልቲኦም መራሕቲ ትማሊ ሰንበት ዘተ…
ጆ ባይደን ምዕራባውያን ንኲናት ሩሲያ – ዩክሬን መፍትሒ ንከምፅኡ ሓቲቶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ምዕራባውያን ንኲናት ሩሲያ - ዩክሬን መፍትሒ ንከምፅኡ ሓቲቶም።
እቶም ፕሬዚዳንት ሎሚ መዓልቲ ናብ ሃገራት ኣውሮፓ ኣምሪሖም።
ዕላማ እቲ ጉዕዞ ድማ፥ ኣሜሪካ ኣብ ጎኒ ምዕራባውያን ብምስላፍ ሩሲያ ምስ ዩክሬን…
ሩሲያ ፍርያት ዘይቲ ነዳዲኣ ብሩብል ወይ እውን ብቢትኮይን ክትሸይጥ ከምትኽእል ኣፍሊጣ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ናብ ወፃኢ ትልእኾ ፍርያት ዘይቲ ነዳዲኣ ብመተዓዳደጊ እታ ሃገር ዝኾነ ገንዘብ (ሩብል) ወይ እውን ብቢትኮይን ክትሸይጥ ከምትኽእል ኣፍሊጣ።
ኣቦ መንበር ቀዋሚ ኮሚቴ ኢነርጂ ፓርላማ ሩሲያ ፓቬል ዛቫልኒ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብታ…
ምዕራባውያን ንዩክሬን ዝገብሩዎ ሓገዝ ንምጥንኻር ተስማዕሚዖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምዕራባውያን መራሕቲ ንዩክሬን ዝገብሩዎም ዝተፈላለዩ ሓገዛት ንምጥንኻርን ንምስፍሕፋሕን ተስማዕሚዖም።
መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ 7 ኣብ ብራስለስ ኣብ ዘካየዱዎ ኣኼባ፥ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝገበረቶ ወራር ከምዝኹንኑን ንዩክሬን ወታደራዊን ሰብኣዊ…
ኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ብዝምልከት መራሕቲ ኣባል ሃገራት ኔቶ ኣብ ብራስለስ ኣኼባ የካይዱ ኣለዉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ብዝምልከት ግደ መሻርኽቲ ኣካላት ንምግምጋም ዝዓለመ ኣኼባ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ኔቶ ኣብ ብራስለስ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ ኣኼባ ኔቶ ኣብ ምብራቕ ኣውሮፓ ዘለዋ ቅዋም እንታይ ከምዝኾነ ክግምገም ኢዩ።
ብተወሳኺ ካልኣይ…
ፈላመይቲ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማዲሊን ኦልብራይት ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈላመይቲ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማዲሊን ኦልብራይት ኣብ 48 ዕድሚአን ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊየን።
ማዲሊን ኦልብራይት ኣብ ዘበነ ስልጣን ቢል ክሊንተን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኮይነን ዘገልገላ ኣብ መላእ ዓለም ዝፍለጣ ዲፕሎማት…
ፕሬዚዳንት ዜለንስኪ ምስ ሩሲያ ዝግበሩ ዘለዉ ዘተታት ከምዝቐፀሉ ተዛሪቦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣2014 (ኤፍ ቢሲ)ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዜለንስኪ ኣብ መንጎ ሃገሮምን ሩሲያን ዝግበሩ ዘለዉ ዘተታት ከምዝቐፀሉ ተዛሪቦም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ቴሌግራም ሒሳቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ኲናት ብኣሽሓት ንዝቑፀሩ ዜጋታት ሞትን ምፍንቓልን ምኽኒያት…