Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዓለም ለኻዊ ዜናታት

መሓመድ ሑሴን ሮብሌ ቀዳማይ ሚኒስትር ሶማሊያ ኮይኖም ተሸይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ሶማሊያ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ንመሓመድ ሑሴን ሮብሌ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ገይሮም ሾይሞምዎም። መሓመድ ሑሴን ሮብሌ፥ ብዘለዎም ፍልጠት፣ ልምዲን ክእለትን ዝተመረፁ ከምዝኾኑ ፕሬዚዳንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ገሊፆም።…

ብብርኪ ዓለም ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም ካብ 30 ሚሊየን ዛይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣  7 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ዓለም ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም 30 ሚሊየንን 62 ሺሕን 255 ከምዝበፅሐ ተገሊፁ። ክሳብ ሐዚ ብዘሎ መረዳእታ 945 ሺሕን 542 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም እንትስእኑ፥ 21 ሚሊየንን 819 ሺሕን 114 ድማ ካብቲ…

ኣብ ህንዲ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም ካብ 5 ሚሊየን ዛይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ህንዲ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙዋ ሰባት ቁፅሮም 5 ሚሊየን 20 ሺሕን 359 ከምዝበፅሐ ኣፍሊጣ። እቲ ኣብ ህንዲ ዝተመዝገበ ቁፅሪ፥ ብብርኪ ዓለም በቲ ቫይረስ ካብ ዝተጠቕዓ ሃገራት ኣብ መበል ካልአይ ደረጃ ዝሰርዓ ኢዩ። ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር…

ኣብ ኣፍሪካ ምርመራ ላብራቶሪ ካብ ዝተገበረሎም ሰባት ውሽጢ 10 ሚኢታዊ ቫይረስ ኮሮና ተረኺቡዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፍሪካ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ብዝቐረበ ፃውዒት ስዒቡ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 12 ሚሊየን ሰባት ምርመራ ተገይሩሎም። ብመሰረት እዚ ክሳብ ሕዚ ምርመራ ላብራቶሪ ካብ ዝተገበረሎም ሰባት ውሽጢ10 ሚኢታዊ ዝኾኑ ቫይረስ ኮሮና…

የሺሃይድ ሱጋ ንሺንዞ ኣቤ ብምትካእ መራሒ ገዛኢ ውድብ ጃፓን ብምዃን ተመሪፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ገዛኢ ውድብ ጃፓን ሎሚ ንጎሆ ኣብ ዝገበሮ መረፃ የሺሃይድ ሱጋንሺንዞ ኣቤ ብምትካእ መራሒ ገዛኢ ውድብ ጃፓን ንክኾኑ ሓሪዩዎም። እቶም ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ብምዃን ዝተመዘዙ ቀዳማይ ሚኒስትር ናይታ ሃገር ናይ ምዃን ተኽእልኦም ልዑል ኢዩ ተባሂሉ።…

ብብርኪ ዓለም ትማሊ ዝለዓለ መጠን መልከፍቲ  ቫይረስኮሮና ከምዝተመዝገበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም ትማሊ ዝለዓለ ሓዲሽ መልከፍቲ ቫይረስኮሮና ከም ዝተመዝገበ ገሊፁ። እቲ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ዝተመዝገበ ብዝሒ መልከፍቲ 307 ሺሕን 930 እንትኸውን፥ ቅድሚ ሐዚ ኣብ ሓደ መዓልቲ ክንድ'ዚ ቁፅሪ ተመዝጊቡ ኣይፈልጥን ተባሂሉ።…

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ጉጅለ ጣሊባንን ዘተ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ መንጎ መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ጉጅለ ጣሊባንን ክካየድ'ዩ ዝተባህለ ዘተ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ምድንጓይ ኣብ ኳታር ጀሚሩ። ኣብ ፅምብል መኽፈቲ እቲ ዘተ ንምስታፍ ናብ ዶሓ ዘምርሑ ፀሓፊ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮ ነቲ ዘተ ታሪኻዊ ክብሉ…

ኣብ ሱዳን ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሑጅ ኣብ ስራሕቲ ኣርኪዮሎጂ ስግኣት ከምዝፈጠረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሱዳን ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሑጅ ኣብ ስራሕቲ ኣርኪዮሎጂ ስግኣት ከምዝፈጠረ ተገሊፁ። ኣብዚ ወርሒ ብዝወቕዕ ዘሎ ብርቱዕ ዝናብ ፈለግ ኒል (ናይል) ልዕሊ ዓቕን ስለዝመለአ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ርእሰ ከተማ ካርቱም ዝርከብ ኣገዳሲ ጥንታዊ ቦታታት በቲ…

ዓለም ኣብ ቀፃሊ ክውላዕ ንዝኽእል ለበዳ ሕማም ብዘሐሸ መልክዑ ክትዳሎ ኣለዋ – ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓለም ኣብ ቀፃሊ ክውላዕ ንዝኽእል ለበዳ ሕማም ብዘሐሸ መልክዑ ንባዕላ ክተዳሉ ከምዝግባእ ዋና ዳይሩክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣተሓሳሲቦም። ዶክተር ቴድሮስ አድሓኖም ትማሊ ኣብ ዝሃቡዎ መዓልታዊ መግለፂ፥ ሃገራት ኣብ ጥዕና…

ኣብ ህንዲ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ልዕሊ 90 ሺሕ ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ህንዲ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ልዕሊ 90 ሺሕ ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተትሓዙ ሚኒስቴር ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ከክሳብ ሕዚ ብብርኪ ዓለም ኣብ ሓንቲ ሃገር ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተመዝገበ ልኡል ቁፅሪ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ። ሚኒስቴር…