Browsing Category
ዓለም ለኻዊ ዜናታት
መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዳርፉር ምስ ዝርከቡ ዓመፅቲ ስምምዕነት ሰላም ተፈራሪሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዳርፉር ምስ ዝርከብ ዋና ጉጅለ ዓመፅቲ ኣብ ስምምዕነት ሰላም ምብፅሑ ተገሊፁ።
እቲ ስምምዕነት ኣብ ሞንጎኦም ን17 ዓማውቲ ዝዘለቐ ጎንፂ ናብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ዘምፅእ ኢዩ ተባሂሉ።
እቲ ስምምዕነት ከይዲ ድርድር…
ኣብ መላእ ዓለም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሳባት ቁፅሮም ካብ 25 ሚሊየን ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መላእ ዓለም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሳባት ቁፅሮም ካብ 25 ሚሊየን ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።
ኣብ ሓፂር እዋን ናብ መላኣ ዓለም ዝተላበደ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ኣብ ቻይና ከተማ ሁዋን ከምዝተወለዐ ዝፍለጥ እንትኸውን፥ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙን ህይወቶም…
ኮኾብ ተዋሳኣይ ብላክ ፓንተር ቻድዊክ ቦዝማን ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፊልም ብላክ ፓነተር ብዝነበሮ ተሳትፎ ተፈላጥነት ዝረኸበ ኣሜሪካዊ ተዋሳኣይ ቻድዊክ ቦዝማን ኣብ 43 ዓመቱ ብሕማም መንሽሮ/ካንሰር ከምዝዓረፈ ተገሊፁ።
ቦዝማን ኣብ ሎስኣንጀለስ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ በዓልቲቤቱን ኣባላት ስድርኡን ኣብ…
ቀዳማይ ሚኒትር ጃፓን ሺንዞ ኣቤ ስልጣኖም ንምልቃቕ ወሲኖም
ኣዲስ ኣበባ፤ 22 ነሓሰ፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒትር ጃፓን ሺንዞ ኣቤ ብምኽንያት ፀገም ጥዕና ስልጣኖም ዝከምዝለቐቁ ኣፍሊጦም።
ወዲ 65 ዓመት ሺንዞ ኣቤ ስራሕቲ መንግስቶም ንዘይምትዕንቓፍ ካብ ስልጣኖም ከምዝወረዱ ገሊፆም።
ኩነታት ጥዕና እቶም ቀዳማይ ሚኒትር ብፍላይ ካብ ቀረባ…
ፕሬዚዳንት ትራምፕ ንተነሓናሒኦም ጆ ባይደን ቅድሚ ክትዕ ምክያድ መርመራ መተባብዒ መድሓኒት ክገብሩ ፀዊዖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ንተነሓናሒኦም ጆ ባይደን ቅድሚ ክትዕ ምክያድ መርመራ መተባብዒ መድሓኒት ንክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብ ዝመፅእ ወርሒ ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ሕፁይ ዴሞክራት ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ኣመሪካ ጆ ባይደን ብቐጥታ ፈነወ…
ኣብ ኣፍሪካ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም ልዕሉ 1 ሚሊየንን 200 ሺሕን ኮይኖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፍሪካ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 1 ሚሊየን 200 ሺሕን 918 ከምዝበፅሐ ማእኸል ምቁፅፃርን ምክልኻን ሕማማት ኣፍሪካ ዕላዊ ገይሩ።
እቲ ማእኸል ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ፀብፀብ፥ 28 ሺሕን 276 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ…
ኣብ ኣሜሪካ ፖሊስ ንፀሊም ኣመሪካዊ ብጥይት ድሕሪ ምውቅዑ ናዕቢ ተላዒሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ሃገር ዊስካንሶን ሓደ ኣባል ፖሊስ ንሓደ ፀሊም ኣመሪካዊ ብጥይት ተኵሱ ምስ ወቕዖ ዝተላዕለ ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ ንኻልኣይ ለይቲ ቀፂሉ ከምዘሎ ተገሊፁ።
እቲ ብጥይት ዝተወቕዐ ሰብኣይ ጃኮብ ብለክ ዝተባህለ…
ከሊፋ ሃፍጣር ብፋይዝ ሳራጅ ዝተፀወዐ ስምምዕነት ተኹሲ ደው ምባል ከምዘይቕበሉ ኣፍሊጦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መቐመጢኡ ኣብ ምብራቓዊ ሊቢያ ዝገበረ ሓይሊ ከሊፋ ሃፍጣር ብቀዳማይ ሚኒስትር ሊቢያ ፋይዝ ሳራጅ ዝተፀወዐ ስምምዕነት ተኹሲ ደው ምባል ከምዘይቕበል ኣፍሊጡ።
ኣቐባሊ ቃል እቲ ንባዕሉ ብሄራዊ ወታደራዊ ሓይሊ ሊቢያ ኢየ ኢሉ ዝፅውዕ ጉጅለ ዝኾኑ ኣሕመድ…
ለበዳ ቫይረስኮሮና ኣብ ውሽጢ 2 ዓመት ከብቅዕ ይኽእል ‘ዩ ክብሉ ዶ/ር ተድሮስ ኣድሓኖም ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ለበዳ ቫይረስኮሮና ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክጠፍእ ከም ዝኽእል ተዛሪቦም።
ዶ/ር ተድሮስ ትማሊ ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቲ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 1918 ኣጋጢሙ…
ውድብ ጥዕና ዓለምን ዩኒሴፍን ኣብ ኣፍሪካ ኣቢያተ ትምህርቲ ዳግም ንኽኽፈታ ፃውዒት ኣቕሪቦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለምን ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካል መድሕን ህፃናትን ኣብ ኣፍሪካ ኣቢያተ ትምህርቲ ዳግም ንኽኽፈታ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
እቶም ትካላት ንንውሕ ዝበለ እዋን ኣቢያተ ትምህርቲ ምዕፃው ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከምዘስዕብ…