Browsing Category
ዓለም ለኻዊ ዜናታት
ተዓዋቲ ኦስካር ቶም ሃንክስ ምስ በዓልቲ ቤቱ ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተዓዋቲ ኦስካር ተዋሳኢ ቶም ሃንክስን በዓልቲ ቤቱ ሪታ ዊልሰንን ኣብ ኣውስትራሊያ ተመርሚሮም ቫይረስ ኮሮና ከም ዝተረኸቦም ተዛሪቦም።
ሃንክስ ኣብ ኢንስታግራም ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "ከም'ዚ ሰዓል ዝሓዞ ሰብ ድኻም ይስመዐና ነይሩ፤ ገለ ቑርጥማት…
ቫይረስ ኮሮና ዓለም ለኻዊ ለበዳ ተባሂሉ ብውድብ ጥዕና ዓለም ተኣዊጁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕማም ቫይረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ዓለም ለኻዊ ለበዳ ኢዩ ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ትማሊ ኣዊጁ።
ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፥ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ካብ ቻይና ወፃእ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ብ13 ዕፅፊ ክብ ምባሉ…
ሚኒስትር ጥዕና ብሪታኒያ ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፈን
ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ብሪታኒያ ናዲን ዶሪስ ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተለኸፋ ተረጋጊፁ።
እተን ሚኒስትር ብዝተገበረለን ሕክምናዊ ምርመራ በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዛ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንብሕተን ኣብ መንበሪ ቤተን ንክዕቆባ ከምዝተገበረ…
ኣብ ግብፂ ብተግባር ግብረ ራዕዲ ዝተኸሰሱ 112 ሰባት ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ተበይኑሎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ግብፂ ኣብ ተግባር ግብረ ራዕዲ ተሳቲፎም ዝተብሃሉ 112 ሰባት ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ተበይኑሎም።
እቶም ውልቀ ሰባት ኣብ ወታደራዊ ቤት ፍርዲ ግብፂ ኢዮም ብገበን ተግባር ግብረ ራዕዲ ትፍኣተኛታት ዝተብሃሉ።
እቶም ተኸሰስቲ ኣብ ጣቢያታት…
ጣሊያን ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ኣብ መላእ ሃገር ዝግበር ጉዕዞ ኣጊዳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጣሊያን ብምኽንያት ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ኣብ መላእ ሃገር ዝግበሩ ኣኼባታትን ጉዕዞታትን ኣጊዳ።
እታ ሃገር ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋትን ንምቁፅፃርን ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት እናወሰደት ትርከብ።
ብመሰረት እዚ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ሰሜናዊ…
ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ኣብደላ ሃምዶክ ካብ ፈተነ መቕተልቲ ተሪፎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ኣብደላ ሃምዶክ ካብ ዝተገበረሎም ፈተነ መቕተልቲ ምትራፎም ተገሊፁ።
ኣብ ከተማ ካርቱም ነቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዝዓጀባ ተሸከርከርቲ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመ ቴሌቪዥን ጣቢያ መንግስቲ እታ ሃገር ፀብፂቡ።
እቲ ቴሌቪዥን…
ኣብ ግብፂ ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፉ ክትትል ሕክምና ክግበረሉ ዝፀንሐ ውልቀ ሰብ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ግብፂ ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፉ ክትትል ሕክምና ክግበረሉ ዝፀንሐ ጀርመናዊ በፃሒ ዓዲ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።
ስለዝኾነ ኣብ ኣፍሪካ ብሰንኪ እቲ ሕማም ዘጋጠመ ፈላማይ ሞት ኮይኑ ተመዝጊቡ'ሎ።
እቲ ወዲ 60 ዓመት ጀርመናዊ፥ ቅድሚ ሓደ…
ኣብ ጣልያን ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ቁፅሪ ሰባት 197 በፂሑ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጣልያን ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝርአ ኣትሒዙ ብሰንኪ እቲ ሕማም መዓልታዊ ዝሞቱ ሰባት ቁፅሮም 197 ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።
ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ብሰንኪ እቲ ሕማም 49 ሰባት ከም ዝሞቱን ናይቲ ሕማም ምልክት ዝተረኣዮም ድማ 4 ሺሕን…
ኣብ ካቡል ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 27 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን ካቡል ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 27 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ።
እቲ መጥቃዕቲ፥ ኣብ ዝኽሪ በዓል ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ብ1995 ብጣሊባን ዝተቐተለ መራሒ ዓሌት ሃዝራ ዓብዱል ዓሊ ማዛሪ ዝተፈፀመ ኢዩ ተባሂሉ።
በቲ…
ዴኒስ ሽሚጋል ቀዳማይ ሚኒስትር ዩክሬን ኮይኖም ተመሪፆም
ኣዲስ ኣበባ፣26 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ፓርላማ ዩክሬን ንዴኒስ ሽሚጋል ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ገይሩ መሪፁ።
ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ዩክሬን ኦሌክሲይ ሆንቻሩክ፥ ብሕቶ ፕሬዚዳንት ቮሎዲሚር ዜለንስኪ ስልጣኖም ከምዝለቐቑ ተገሊፁ።
ፕሬዚዳንት ቮሎዲሚር፥ ፓርላማ እታ ሃገር ንንዴኒስ…