Browsing Category
ዓለም ለኻዊ ዜናታት
ኣፍሪካ መፈተኒት ክታበት ኮቪድ-19 ክትከውን ከምዘይብላ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዳይሬክተር ጄነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፥ “ክታበት ቫይረስኮሮና ኣብ ኣፍሪካ ክፍተን ኣለዎ” ንዝብል ርእይቶ ብትሪ ነቒፎም።
ነቲ ርእይቶ ዘቕረቡ ክልተ ፈረንሳውያን ዶኳትር እንትኾበኑ “ዓሌታዊ” ክብሉ ዶክተር ቴድሮስ…
ቦሪስ ጆንሰን ናብ ሆስፒታል ኣትዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብቫይረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ተለኺፎም ንበይኖም ተፈሊዮም ክትትል እናገበሩ ዝፀንሑ ቀዳማይ ሚኒስትር ብሪታኒያ ቦሪስ ጆንሰን ትማሊ ለይቲ ናብ ሆስፒታል ከምዝኣተዉ ተገሊፁ።
እቶም ቀዳማይ ሚነስትር፥ ረስኒ ሓዊሱ ካልኦት ምልክታት ናይቲ ሕማም…
ልዕሊ 55 ሺሕ ሰባት ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም እንትስእኑ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ድማ ልዕሊ 1 ሚሊየንን 33 ሺሕን በፂሑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ዓለም ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና 55 ሺሕን 92 ሰባት ህይወቶም እንትስእኑ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ድማ 1 ሚሊየን 39 ሺሕን 166 ምብፅሑ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ ኣፍሊጡ።
እቲ ዩኒቨርሲቲ እዚ ፀብፃብ…
ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሶማልያ ብሕማም ቫይረስ ኮሮና ሕይወቶም ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሶማልያ ኑር ሓሰን ሑሴን ብሕማም ቫይረስ ኮሮና ኣብ ለንደን ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።
ብመሰረት እዚ ሶማልያ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ሓዘን ኣዊጃ ኣላ ተባሂሉ።
ወዲ 83 ዓመት ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሶማልያ…
ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ናብ 1 ሚልየን ይፅጋዕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፥ እቲ ልዕሊ 939 ሽሕ በፂሑ ዘሎ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ሒደት መዓልታት ናብ 1 ሚልየን ክኣቱ እዩ ክብሉ ገሊፆም።
ስለዝኾነ ናህሪ ዝርገሐ እቲ ሕማም ንውድብ ጥዕና ዓለም ኣጨኒቑዎ…
ሩሲያ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝሕግዝ መሳርሒታት ሕክምና ናብ ኣሜሪካ ልኢኻ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ኣብ ኣሜሪካ እናተባርዐ ዝርከብ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝሕግዛ መሳርሒታት ሕክምና ዝሓዘት ኣውሮፕላን ናብታ ሃገር ልኢኻ።
ሩሲያ እቶም መሳርሒታት ክትልእኽ ዝኸኣለት፥ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሜር ፑቲን ምስ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ…
ኣብ ኤርትራ ቁፅሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት 12 በፂሑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኤርትራ ሽዱሽተ ተወሰኽቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ከምዝተረኽቡ ሚነስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝውፅኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እዚ ምስቶም ኣቐዲሞም ተለኺፎም ዝነበሩ ሽዱሽተ ሰባት፤ ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ…
ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ቁፅሪ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ካብ 34 ሺሕ ዛይዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ዓለም ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ቁፅሪ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 34 ሺሕን 18 ምብፅሑ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት ፀብፃብ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዓለም ለኸ ኩነታት ዝርገሐ ኮቪድ-19 ከምዚ ዝስዕብ ይመስል።…
ብብርኪ ዓለም ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ቁፅሪ ሰባት ልዕሊ 601 ሽሕ በፂሑ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ዓለም ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ቁፅሪ ሰባት 601 ሺሕን 478 ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።
እቲ ቫይረስ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ዘለዎ ምስፋሕ ብዝለዓለ መጠን ይውስኽ ከምዘሎ ተገሊፁ።
ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ክሳብ ሐዚ 27 ሺሕን 862 ሰባት…
ቦሪስ ጆንሰን ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ብታኒያ ቦሪስ ጆንሰን ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፎም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብዝተገበረሎም ምርመራ ምልክት እቲ ቫይረስ ከምዘርኣዩ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፆም ኣብ ዝፀሓፉዎ መልእኽቲ ኣፍሊጦም።
ኣብ ብሪታኒያ ቁፅሪ በቲ…