Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዓለም ለኻዊ ዜናታት

ኣማኻሪ ፕሬዚዳንት ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ብቫይረስኮሮና ህይወቶም ስኢኖም

አዲስ አበባ፣ መጋቢት 17፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ዝሞቱ ሰባት ቁፅሮም ሰለስተ በፂሑ። ካብዚኦም በዓል ሞያ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላትን ኣማኻሪ ፕሬዚዳንትን ጂን ጆሴፍ ሙከንዲ ዋ ሙሉምባ ሓደ እዮም። ሙሉምባ ኣማኻሪ ፕሬዚዳንት ፌሊክስ…

ልኡል ዌልስ ቻርለስ ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ልኡል ዌልስ ቻርለስ ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተለኸፉ ተገሊፁ። እቶም ወዲ 71 ዓመት ልኡል ዌልስ ብዝተገበረሎም ምርመራ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉን ምክት ናይቲ ቫይረስ ከምዝርኣዮምን ካብ ንጉሳዊ ዓሌት ብሪታኒያ ዝወፅኡ ሓበሬታታት ኣመላኺቶም። ጓል…

ኣሜሪካ ብኮቪድ-19 ኣብ ሓደጋ ንዝወደቐ ኢኮኖሚኣ ንምሕጋዝ 2 ትሪሊዮን ዶላር በጀት ኣፅዲቓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ሜሪካ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ኣብ ሓደጋ ንዝወደቐ ኢኮኖሚኣ ንምሕጋዝ 2 ትሪሊዮን ዶላር በጀት ኣፅዲቑ። እቲ ዝፀደቐ በጀት ንሓገዝቲ ትካላት፣ ትካላት ንግዲን ስርዓት ጥዕናን ንምሕጋዝ ከምዝውዕል ተገሊፁ። እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ…

ብብርኪ ዓለም ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ቁፅሪ ሰባት ልዕሊ 382 ሽሕ በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ዓለም ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ቁፅሪ ሰባት ልዕሊ 382 ሽሕ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ። ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝበሎ፥ ፈላማይ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ካብ ዝሕበር ጀሚሩ እቶም ናይ መጀመርታ 100 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ንክትሓዙ ዝወሰደሎም…

ኣብ ቤት ህንፀት ኮሎምቢያ ምስ ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ ብዝተልዓለ ዓመፅ ልዕሊ 23 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤት ህንፀት ኮሎምቢያ ምስ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ ብዝተልዓለ ዓመፅ ልዕሊ 23 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ። እቲ ዓመፅ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ቦጎታ ዝርከብ ዓቢዩ ቤት ህንፀት ዝተልዓለ እንትኸውን፥ ካብቶም ዝሞቱ…

መናእሰይ ካብ ቫይረስኮሮና ከምልጡ ከምዘይኽእሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መናእሰይ ካብ ቫይረስ ኮሮና ከምልጡ ስለዘይኽእሉ ማሕበራዊ ርሕቐቶም ሓልዮም ጥንቃቐ ክገብሩ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣተሓሳሲቡ። ብብርኪ ዓለም በዝሒ ብቫይረስኮሮና ዝሞቱ ሰባት 11 ሽሕ ከም ዝበፅሐ ብምግላ ዝገለፀ እቲ ትካል፥ ዋላ'ኳ ኣረጋውያን ዚያዳ…

ኣፍሪካ ሕብረት ዝርገሐ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ብዙሓት ተግባራት እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዝርገሐ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ንምዕጋት ኩለመዳይ ምንቅስቓስ እናገበረ ምዃኑ ማእኸል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት (ሲዲሲ) ኮሚሽን ሕብረት ኣፍርካ ኣፍሊጡ። እቲ ማእኸል ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ስግኣት ዓልም ኮይኑ ብዝርከብ…

ብብርኪ ዓለም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ቁፅሪ ሰባት ካብ 222 ሺሕ ዛይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብብርኪ ዓለም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ቁፅሪ ሰባት 222 ሺሕን 643 ከምዝበፅሐ ተገሊፁ። እቲ ቫይረስ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ዘለዎ ምስፋሕ በዝለዓለ መጠን ይውስኽ ከምዘሎ ተገሊፁ። ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ክሳብ ሐዚ 9 ሺሕን 115 ሰባት…

ብቫይረስ ኮረና ዝተለኸፉ ሰባት ከምዘለውወን ዘረጋገፃ ቁፅሪ ሃገራት ኣፍሪካ 27 በፂሐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ክሳብ ሐዚ 27 ሃገራት ኣፍሪካ ብቫይረስ ኮረና ዝተለኸፉ ሰባት ከምዘለውወን ኣረጋጊፀን ኣለዋ። ብመሰረት እዚ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪካ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምቁፅፃር ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ስጉምታት ይወስዳ ኣለዋ። ደቡብ ኣፍሪካ በቲ ቫይረስ…

ኣብ ናይጀሪያ ኣብ መተሓላለፊ መስመር ጋዝ ብዝበፅሐ ኖትጒ ህይወት 17 ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ናይጀሪያ ኣብ መተሓላለፊ መስመር ጋዝ ብጋጠመ ሓደጋ ኖትጒ ህይወት 17 ምሕላፉ ተገሊፁ። እቲ ሓደጋ፥ ከበድቲ ናይ ፅዕነት ተሽከርካ ኣብ ከባቢ መውፅኢ ጋዝ ምስ ርከቡ ሲሊንደራት ብምልግዑ ዝተፈጠረ ኢዩ ተባሂሉ። በቲ ሓደጋ ካብ ዝሞቱ ሰባት…