Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዓለም ለኻዊ ዜናታት

ኣብ ቻይና ዝተርኣየ ሓድሽ ቫይረስ  ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከምዝመሓላለፍ ተረጋጊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቻይና ዛጊድ ኣርባዕተ ሰባት ዝቐተለን ብቕልጡፍ ይላባዕ ዘሎን ሓድሽ ቫይረስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክመሓላለፍ ከምዝኽእል ሰብመዚ እታ ሃገር ኣረጋጊፆም። ብሰንኪ እቲ ነድሪ ሳምቡእ ዘኸትል ቫይረስ ወዲ 89 ዓመት ግዳይ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ። እቶም…

ልዕሊ 45 ሚልዮን ሰባት ሃገራት ደቡብ ኣፍሪካ ንህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ተቓሊዖም – ውድብ ሕቡራት መንግስታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 09 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽንያት ምውዛዕ ኣየር ኣብ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪካ ዝርከቡ ልዕሊ 45 ሚልዮን ሰባት ንህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ከም ዝተቓልዑ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ። ትሑት መጠን ዕቤት ቁጠባ እተን ሃገራት፣ ልዑል ወሰኽ ቑፅሪ በዝሒ ህዝቢ፣ ሓደጋ ድርቅን ውሕጅን…

ሴኔት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ኣብ ዝቐረበ ክሲ ብዕሊ ምክርኻር ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ(ሴኔት) ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝቐረበ ካብ መዚነቶም ክሳብ ምውራድ ዝበፅሕ ክሲ ብዕሊ ምክርኻር ጀሚሩ። ታሕተዋይ ባይቶ ኣመሪካ፥ ነተን ንፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ስልጣኖም ንምእላይ…

ሚሃይል ሚሹስቲን ቀዳማይ ሚኒስትር ሩሲያ ኮይኖም ተሾይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 07 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሩሲያ ፕዚዳንት ብላድሚር ፑቲን ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኖም ክሽየሙ ሕፁይ ገይሮም ዘቕረቡሉ ሽመት ኣፅዲቑ። ፕዚዳንት ብላድሚር ፑቲን ሕገ መንግስቲ ንኽመሓየሽ ድሌት ከምዘለዎም ምግላፆም ስዒቡ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ዝነበሩ ዲሚትሪ…

ኣብ ሶርያ ከተማ ኢድሊብ ብተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣየር 18 ሰባት ንሕልፈት ተቓሊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 07 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሶርያ ከተማ ኢድሊብ ብተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣየር 18 ሰባት ንሕልፈት ምቅለዖም ተገሊፁ። እቲ መጣቃዕቲ ኣየር ኣብታ ከተማ ዝርከብ ማእኸል ዕዳጋን ዞባ ኢንዱስትሪን ዝተፈፀመ ኢዩ ተባሂሉ። ሪሲያን ቱርኪን ኣብቲ ከባቢ ቶኽሲ ጠጠው ንምባል ድሕሪ…

ኣውሮፕላን ዩክሬን ተወቒዓ  እንትትወድቕ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ዝቐረፀ ውልቀ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 06 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢራን ወቒዓ ንዘውደቐታ ኣውሮፕላን ዩክሬን ተወቒዓ  እንትትወድቕ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ዝቐረፀ ውልቀ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ተገሊፁ። ሓይሊ ድሕንነት ብሄራዊ ሓላዊ ዘብዒ ኢራን ነቲ ግለሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅረ ዘውዐሎ እንትኸውን፥ ምስ…

ፈረንሳይን ኣባል ሃገራት ቐጠና ሳሕልን ወታደራዊ ትሕብብረን ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 05 ጥሪ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ፈረንሳይን ኣባል ሃገራት ቐጠና ሳሕልን ኣብቲ ከባቢ ዝረአ ተግባር ግብረ ራዕዲ ንምምካት ዘኽእል ወታደራዊ ስምምዕነት ፈፂመን። ፕዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮንን መራሕቲ ኣባል ሃገራት ቐጠና ሳሕልን ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣድሂቦም ትማሊ ዕለት ኣብ…

ኢራናውያን ኣውሮፕላን ዩክሬን ተወቒዓ ምውዳቓ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ተቓውሞ የስምዑ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 04 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢራናውያን ኣውሮፕላን ዩክሬን ብጦር ሰራት ኢራን ተወቒዓ ምውዳቓ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ተቓውሞ የስምዑ ኣለዉ። ጦር ሰራዊት እታ ሃገር፥ ልዕሊ 170 ተጉዓዝቲ ሒዛ እናተጉዓዘት ዝነበረት ኣውሮፕላን ብስሕተት ብምውቅዑ ንኽትሕምሸሽ ምኽንያት ምዃኑ…

ኢራን 176 ሰባት ግዳይ ሞት ዝኾኑላ ቦይንግ 737 ብምሳኤል ወቒዓ ክትሕምሸሽ ከምዝገበረታ ኣሚና

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢራን 176 ሰባት ግዳይ ሞት ዝኾኑላ ቦይንግ 737 ኣውሮፕላን ዩክሬን ብምሳኤል ወቒዓ ክትሕምሸሽ ከምዝገበረታ ኣሚና። ልዕሊ 170 ተሳፈርቲን 6 ሰራሕተኛታትን ሒዛ እናተጉዓዘት ዝነበረት ቦይንግ 737 ኣውሮፕላን ዩክሬን፥ ኣብ ከባቢ ኣየር ኢራን…

ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሞሃመድ ኣብዱላሂ ኣብ ኤርትራ ዕላዊ ዑደት ስራሕ የሳልጡ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሞሃመድ ኣብዱላሂ ሞሃመድ ፋርማጆ ኣብ ኤርትራ ካብ ትማሊ ጀሚሮም ዕላዊ ዑደት ስራሕ የሳልጡ ኣለዉ። እቶም ፕሬዚዳንት ኣብታ ሃገር ንክልተ መዓልታት ዝፀንሕ ዑደት ንምግባር ትማሊ ኣስመራ እንትኣትዉ፥ ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳይያስ…