Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዓለም ለኻዊ ዜናታት

ኣሜሪካ ኣብ ኢራን እትወስዶ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ዝውስን ሕጊ ኣፅዲቓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ኣመሪካ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ኲናት ንምልዓል ዘኽእሎም ስልጣን ክውሰን ዝገብር ውሳነ ኣሕሊፉ። እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ሓደጋ ኣብ ዘንፀላለወሉ እዋን እንተዘይኮይኑ፥ ኣብ ልዕሊ ኢራን ስጉምቲ…

ኢራን ናይታ ትማሊ ንጉሆ ዝተሓምሸሸት ኣውሮፕላን ፀሊም ሳንዱቕ ንኩባኒያ ቦይንግ ይኹን ንኣሜሪካ ኣሕሊፈ ኣይህብን ኢላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢራን ናይታ ትማሊ ንጉሆ ዝተሓምሸሸት ኣውሮፕላን መቕረፂ በረራ ፀሊም ሳንዱቕ፥ ንኣፍረይቲ ኣውሮፕላን ኩባኒያ ቦይንግ ይኹን ንኣሜሪካ ኣሕሊፋ ከምዘይትህብ ኣፍሊጣ። ንብረትነታ ናይ ዩክሬን  ዝኾነት ቦይንግ 737-800 ኣውሮፕላን፥ ካብ ዓለም ለኸ…

176 ሰባት ሒዛ እናተጉዓዘት ዝነበረት ቦይንግ 737 ኣውሮፕላን ዩክሬን ተሕምሺሻ ኩሎም ሰባት ህይወቶም ምሕላፉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 170 ተሳፈርቲን 6 ሰራሕተኛታትን ሒዛ እናተጉዓዘት ዝነበረት ቦይንግ 737 ኣውሮፕላን ዩክሬን፥ ኣብ ከባቢ ኣየር ኢራን ምሕምሻሻ ስዒቡ ኩሎም ተጓዓዝቲ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ። እታ ነፋሪት፥ ካብ ርእሰ ከተማ ኢራን ከተማ ቴህራን ዓለም…

ኢራን ኣብ ኢራቕ ኣብ ዝርከብ ሰፈር ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ሚሳይል ፈፂማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢራን ኣብ ኢራቕ ኣብ ዝርከብ ሰፈር ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ሚሳይል ፈፂማ በቲ መጥቃዕቲ ብውሕድ ክልተ ወተሃደራዊ መዋፈርታት ኣሜሪካ ከምዝተወቕዑ ሚንስቴር ምክልኻል ኣሜሪካ ኣፍሊጡ። እቲ መጥቃዕቲ ብትእዛዝ ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ናይ…

ኣልሸባብ ኣብ ወተሃደራዊ መደብር ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣልሸባብ ኣብ ኬኒያ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መደብር ኣሜሪካ ትማሊ ብዝተፈፀሞ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም። በቲ መጥቃዕቲ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት፥ ሓደ ወተሃደርን ክልተ ኮንትራክተራትን ከምዝኾኑ ተገሊፁ። ካልኦት ግዳያት እዚ መጥቃዕቲ ዝኾኑ…

ኣመሪካ ናብ ማእኸላይ ምብራቕ 3 ሽሕ ሰራዊት ከምእትልኽ ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመሪካ ናብ ማእኸላይ ምብራቕ 3 ሽሕ ሰራዊት ከምእትልኽ ኣፍሊጣ። ቅትለት ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኢራን ቃሲም ሶለይማኒ፥ ኲናት ንምጅማር ዘይኮነስ ደው ንምባል ዝተገበረ ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ገሊፆም። ነቲ ዓርቢ ኣብ…

ኣብ ሱዳን ሓንቲ ጦር ኣውሮፕላን ተሓምሺሻ ልዕሊ 18 ሰባት ህይወት ምሕላፉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምዕራባዊ ዳርፉር ሱዳን ሓንቲ ጦር ኣውሮፕላን ብምሕምሻሻ ልዕሊ 18 ሰባት ህይወቶም ከምዘሓለፈ ተገሊፁ። ካብ ውሽጢ እቶም ዝሞቱ ሰባት፥ ሸውዓተ ሰራሕተኛታት እታ ኣውሮፕላን እንትኾኑ፥ ሰለስተ ዳያኑን ህፃነናት ዝርከቡዎም ሸሞንተ ሲቪላትን…

ኣመሪካ ንኢራናዊ ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ ከምዝቐተለት ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኵድስ እናተብሃለ ንዝፅዋዕ ፍሉይ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢራን ብላዕላዋይነት ዝመርሕ ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ ብኣመሪካ ከምዝተቐትለ መንግስቲ ኣመሪካ ኣፍሊጡ። እቲ ኣብ ዒራቕ ዝተቐትለ ጀነራል፥ ኣብ ኢራን ዓብይ ፅልዋ ዝነበሮ ወሳኒ ሰብ እዩ። እቲ…

ኣብ ርእሰ ከተማ ኢንዶኔዥያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ህይወት 21 ሳባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2012(ኤፍቢሲ)ኣብ ርእሰ ከተማ ኢንዶኔዥያ ጃካርታ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ህይወት 21 ሳባት ምሕላፉ ተገሊፁ። እቲ ሓደጋ ውሕጅ ኣውሎ ንፋስ ዝተሓወሶ ሓያል ማይ ብምውቅዑ ዝተልዓለ እንትኸውን፥ ሓዱሽ ዓመት ንምቕባል ናብ ኣደባባይ ዝወፅኡ ዜጋታት ሓደጋ በፂሑዎም።…

ቀዳማይ ሚኒስትር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ክሕለወሎም ተማሕፂኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ምስ ብልሽውና ተኣሳሲሩ ኣብ ዝቐረበሎም ክሲ ናይ ዘይምኽሳስ መሰሎም ክሕለወሎም ሓቲቶም። እቲ ውሳነ ኣብ መፃኢ ወርሒ መጋቢት መረፃ ክሳብ ዝካየድ ዕረፍቲ ክህቦም እዩ ተባሂሉ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ…