Browsing Category
					
		
		ዓለም ለኻዊ ዜናታት
ሶማሊያ ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ብሄራዊ ኣዋጅ ስግኣት ሓደጋ ኣዊጃ
				ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሃገራት ምብረራቕ ኣፍሪካ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ስዒቡ ሶማሊያ ብሄራዊ ኣዋጅ ስግኣት ሓደጋ ኣዊጃ።
ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ሃገራ ቀርኒ ኣፍሪካ ተራእዩ ዘሎ ኣምበጣ በረኻ፥ ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ዓብዪ ጉድኣት እናብፀሐ ይርከብ።…			
				ኣሜሪካ ንኤርትራውያን ሓዊሱ ንዜጋታት ሽዱሽተ ሃገራት ትህቦ ናይ ስደት ቪዛ ከልኪላ
				ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ሃገሮም ንኤርትራውያን ሓዊሱ ንዜጋታት ሽዱሽተ ሃገራት ትህቦ ናይ ስደት ቪዛ ከልኪሎም።
እቲ ኽልከላ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ፣ ናይጀሪያ፣ ታንዛኒያ፣ ሱዳን፣ ኪርጊዝታንን ማይንማርን ኢዩ ተነቢሩ።
እቲ ሓዱሽ መምርሒ፥…			
				መገዲ ኣየር ኬንያ ናብ ቻይና ዝገብሮ በረራ ብግዚያዊነት ኣጊዱ
				ኣዲስ ኣበባ፣ 22ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መገዲ ኣየር ኬንያ ናብ ቻይና ዝገብሮም በረራታት ብግዚያዊነት ከምዝኣገደ ኣፍሊጡ።
ንውሓት ምእጋድ እቲ በረራ ንምውሳን ድማ ምስ ሚኒሰትራት ጉዳያት ወፃኢን ጥዕናን ዘተ እናተካየደ ምዃኑ ገሊፁ።
እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ካብ ቻይና…			
				ቫይረስ ኮሮና ዓለም ለኸ ስግኣት ጥዕና ምዃኑ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣዊጁ
				ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ቻይና ዝተወለዐ ቫይረስ ኮሮና ዓለም ለኻዊ ስግኣት ጥዕና ኢዩ ብምባል ኣዊጁ።
እቲ ውድብ ነቲ ቫይረስ ዓለም ለኻዊ ስግኣት ጥዕና ብምባል ዝኣወጆ፥ ካብ ቻይና ወፃእ ናብ ካልኦት ሃገራት ዓለም እናተዛመተ ምምፅኡ ስዒቡ ኢዩ።…			
				ኣብ ሕቡራት ዒሚረታት ዓረብ ካብ ቻይና ኣብ ዝመፅኡ ኣባላት ስድራ ቤት ቫይረስ ኮሮና ተረኺቡ
				ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሕቡራት ዒሚረታት ዓረብ ካብ ቻይና ዝመፅኡ ኣባላት ስድራ ቤት ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኸቦም ሚኒስቴር ጥዕና እታ ሃገር ገሊፁ።
እቶም በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ዝተብሃሉ ኣባላት ስድራቤት ኣብ ፅቡቕ ኩነታትን ከምዝርከቡን ክትትል ሕክምና እናተገበረሎም…			
				ዋና ዳይሬክትር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ምስ ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ዢንፒንግ ተዛትዮም
				ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዋና ዳይሬክትር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ምስ ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ዢንፒንግ ኣብ ቤጂንግ ተራኺቦም ተዛትዮም።
ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፥ ኣብ ጉዳይ ቫይረስ ኮሮና ንምዝታይ ኣብ ቻይና ቤጂንግ ይርከቡ።
ኣብ ፃንሒቶም ምስ…			
				ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣስመራ ኣትዮም
				አዲስ አበባ ፣ ጥር 18 ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሞሓመድ ኣብዱላሂ ሞሓመድ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኣስመራ ኣትዮም።
ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ እንትበፅሑ ድማ ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኣይተ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣስመራ ኣብ…			
				ኣብ ብራዚል ብዝተፈጠረ ሓደጋ ውሕጅን ምግህማስ መሬትን ህይወት 30 ሰባት ሓሊፉ
				ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ብራዚል ዝወቕዐ ሓያል ማይ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ሓደጋ ውሕጅን ምግህማስ መሬትን ህይወት 30 ሰባት ምሕላፉ ተገሊፁ።
ኣብ ግዝኣት ሚናስ ጌራይስ ዝተፈጠረ እቲ ሓደጋ ውሕጅ፥ ክብቶም ዝሞቱ ሰባት ብተወሳኺ 17 ሰባት ኣብ ዝኣተዉዎ ከምዘይተፈለጠ…			
				ባግዳድ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ መጥቓዕቲ ሮኬት ተፈፂሙ
				ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ርእሰ ከተማ ኢራቕ ባግዳድ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ሮኬት ከምዝተፈፀመ ተገሊፁ።
ኣብ እዋን እቲ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሮኬታት ዝተፈነዉ እንትኾኑ፥ ሓደ ሮኬት ኣብ ካፌ ናይቲ ኤምባሲ፤ እቶም ዝተረፉ ክልተ ሮኬታት ድማ ኣብ ጥቓ እቲ ኤምባሲ…			
				ኣብ ቻይና ብዝተርኣየ ሓድሽ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና 41 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ
				ኣዲስ ኣበባ፣ 09 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ቻይና ብዝተርኣየ ሓድሽ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ቁፅሪ ህይወቶም ዝሓለፈ ሰባት 41 ምብፅሑ ተገሊፁ።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ቻይና ግዝኣት ዉሃን ዝተልዓለ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና፥ ኣድማሱ ብምስፋሕ ኣብ ዝተፈላላያ ሃገራት ዓለም…			
				 
			