Browsing Category
ዓለም ለኻዊ ዜናታት
ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ፓርቶም ንምምራሕ ኣብዝተገበረ መረፃ ተዓዊቶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ሊኩድ ፓርቲ ንምምራሕ ኣብዝተገበረ መረፃ ተዓዊቶም።
ካብ ውሽጢ 116 ሺሕ ኣባላት ሊኩድ ፓርቲ 49 ሚኢታዊ ዝኣኽሉ ሰባት ድምፂ ዝሃቡ እንትኾኑ፥ ኔታኒያሁ ድማ እቶም ዝመረፁ ሰባት 72 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ…
ኣብ ካዛኪስታን ብዝበፅሐ ሓደጋ ነፋሪት ብውሑዱ 14 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ካዛኪስታ 98 ተሳፈርቲ ፅዒና እትጎዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ብምውዳቓ ብውሑዱ 14 ሰባት ከም ዝሞቱ ሰብመዚ'ታ ሃገር ኣፍሊጦም።
እታ ንብረት መገዲ-ኣየር “በክ” ዝኾነት ነፋሪት፥ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣልማቲ ምስተገበሰት
እታ ነፋሪት ካብ…
ሩሲያ፣ ኢራንን ቻይናን ሓበራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ክገብራ ኢየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍቢሲ)ሩሲያ፣ ኢራንን ቻይናን ድሕንነት ዓለም ለኸ ንግዲ ዓለም ንምሕላው ዘኽእል ሓበራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ክገብራ ኢየን።
እተን ሃገራት ካብ ፅባሕ ዓርቢ ጀሚረን ንኣርባዕተ መዓልቲ ዝፀንሕ ልምምድ ከምዝገብራ ኣቐባሊ ቓል ሓይሊ ሰራዊት ኢራን ብርጋዴር…
ኣብ ብሩንዲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምንሽርታት መሬት ህይወት 15 ሰባት ክምዝሓለፈ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ርእሰ ከተማ ብሩንዲ ቡጅምብራ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምንሽርታት መሬት ብውሑዱ 15 ሰባት ህይወቶም ክምዝሓለፈ ተገሊፁ።
ቀዳምን ሰምበትን ዝወቕዐ ሓያል ማይ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ምንሽርታት መሬት ብውሕዱ ህይወት 15 ሰባት ዝሓለፈ እንትኸውን፥ 30 ሰባት…
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ቦይንግ ካብ ሓላፍነቶም ተሰጒጎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፈፃሚ ስራሕ ቦይንግ ዴኒስ ሙይለንበርግ ካብ ሓላፍነቶም ተሰጒጎም።
እቲ ስጉምቲ ነቲ ኩባንያ ዝሐሸ ዓርሰ-እምነት ንክፈጥር ክሕግዞ እዩ ተባሂሉ።
ግዚያዊ ኣቦ -መንበር እቲ ኩባንያ ኮይኖም ዝፀንሑ ዴቪድ ካልሁን፥ ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ ካብ 13…
ስዑዲ ዓረብ ኣብ ቅትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ኢድ ኣለዎም ዝበለቶም ሰባት ብሞት ክቕፅዑ በዪና
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ስዑዲ ዓረብ ኣብ ቅትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ኢድ ኣለዎም ዝበለቶም ሓሙሽተ ሰባት ብሞት ክቕፅዑ በዪና።
ጀማል ካሾጊ ንመንግስቲ ስዑድ ዓረብ ዝነቅፍ ዝነበረ ጋዜጤኛ እንትኸውን፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቱርኪ ናብ ዝርከብ ቆንስል ስዑዲ ጉዳዩ ከሳልጥ…
ኣይኤስ ሓይሉ ዳግማይ ኣብ ዒራቕ የደልድል ከም ዘሎ ተሓቢሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ ሲ)ሓይሊ ኣይኤስ (ዳዕሽ) ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣብ ዒራቕ ዝነበሮ ግዝኣታት ድሕሪ ምኽሳሩ ሓይሉ ዳግማይ ይደላደል ከም ዘሎ ተሓቢሩ።
ኩርዳውያንን ኣብ ምዕራብ ዒራቕ ዝርከቡ ላዕለዎት ሓለፍቲ፥ ዝተራቕቐ ስርሒታትን መጥቃዕታትን ኣይኤስ ይውስኽ ከም ዘሎ…
ትራምፕ ወታደራዊ ‘ሓይሊ ህዋ’ ኣሜሪካ ብዕሊ ከፊቶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ወታደራዊ ‘ሓይሊ ህዋ’ ኣሜሪካ ትማሊ ዕለት ብዕሊ ከፊቶም።
ልዑል ረብሓ ኣለዎ ዝበሉዎ እቲ ሓይሊ ህዋ፥ ኣብ ጥቓ ዋሸንግተን ኣብ ዝርከብ ሰፈር ሰራዊት ኢዮም ከፊቶምዎ።
እቲ ሓይሊ ህዋ “ሓዱሽ ስርዓት ውግእ…
ኣብዚ ዓመት ኣብ ሊቢያ ብውሑዱ 284 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም – ውድብ ሕቡራት መንግስታት
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2012(ኤፍቢሲ)ኣብ ዓመተ 2019 ኣብ ሊቢያ ብውሑዱ 284 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ።
እቲ ውድብ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ፀብፃብ ኣብ ሊብያ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል እናተበኣኣሰ ምዃኑ ገሊፁ።
ኣቐባሊ ቓል ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ…
ትራምፕ ተኸሲሱ ኣብ ሰኔት ኣሜሪካ ዝቐርብ ሳልሳይ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ኮይኖም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝኽሰሱ ሳልሳይ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ኮይኖም።
እቲ ክሲ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ናብ ቤት ፍርዲ ሰኔት ኣሜሪካ ከቕርቦም 'ዩ።
እቲ ቤት ፍርዲ ድማ ኣብ ስልጣን ናይ ምፅናሕ…