Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ናይጀሪያ ቦላ ቲኑቡ ምስዓሮም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ኣብ ናይጀሪያ ዝተኻየደ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ብዓወት ሕፁይ ገዛኢ ፓርቲ ቦላ ቲኑቡ ምዝዛሙ ተገሊፁ። ዘይሻራዊ ኮሚሽን መፈፀሚ መረፃ እታ ሃገር ከምዝሓበሮ፥ ነበር ኣመሓዳሪ ሌጎስ ቦላ ቲኒቡ 8 ነጥቢ 79 ሚሊየን ድምፂ…

ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት በዓል ዓወት ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት መበል 127 በዓል ዓወት ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም። ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ኦሮሚያ፣ ደቡብን ጋምቤላ፣ ዓፋርን ኣምሓራን በዓል ዓወት ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ…

ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ኣብ ዞባ ቦረና ብድርቂ ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ኣብ ዞባ ቦረና ብምኽንያት ድርቂ ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ሓገዝ ምግቢን ናውቲን ገይሩ። እቲ ሓገዝ፥ ዋና ኣዛዚ እቲ ሓይሊ ኣየር ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብ…

በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ከተማ ዓድዋ ብድምቀት ከምዘኽብሩ ነበርቲ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ከተማ ዓድዋ ብድምቀት ከምዘኽብሩ ነበርቲ እታ ከተማ ገሊፆም። ነበርቲ ከተማ ዓድዋ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ በዓል ዓወት ዓድዋ ሓድነትን ምትሕብባርን ንምጥንኻር ምጥቃም ከምዝግባእ ገሊፆም።…

መዓልቲ ምገባ ቤት ትምህርቲ ኣፍሪካ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሻምናይ ሃገር በቆል መዓልቲ ምገባ ቤት ትምህርቲ ኣፍሪካ ኣብ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ይኽበር ኣሎ። እቲ መዓልቲ ስርዓት ዕድጊት ጠለብ ምግቢ ውሽጢ ሃገርን ዞባዊ ቀረብ እሴትን ብምድንፋዕ ሃገር በቆል ምገባ ቤት ትምህርቲ ኣፍሪካ ብምርግጋፅ ትምህርቲ…

ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ በዓል ዓወት ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ በዓል ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ “ዓወት ዓድዋ ብልዑል ድምቀት ክነኽብሮ ዝገብሩ ብዙሓት ምኽንያታት የሃልዉ እምበር እቲ ቀንዲ ምኽንያት…

ኮንፈረንስ ሰላምን ልምዓትን ክልል ቤኒን ሻንጉል ጉሙዝን ግዝኣት ብሉ ናይልን ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ኢትዮጵያን ግዝኣት ብሉናይል ሱዳንን ኮንፈረንስ ሰላምን ልምዓትን ይሳለጥ ኣሎ። ሱዳን የብሉ ናይል ግዛት የሠላም እና የልማት ኮንፈረንስ በብሉ ናይል ግዛት ዋና ደማንን ከተማ ዛሬ መካሄድ ጀምሯል። ኣብ ዋና…

ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብ ዞባ ቦረና ብድርቂ ኣብ ዝተጎድኡ ከባቢታት ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ቦረና ብድርቂ ኣብ ዝተጎድኡ ከባቢታ ዑደት ኣሳሊጡ። እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ዑደቶም፥ ኣብቲ ዞባ ምስ ድርቂ ተተሓሒዙ ዘጋጥም ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዝግበሩ…

እንግሊዝን ዴንማርክን ተዋጋእቲ ንዝነበሩ መሊስካ እግሪ ንምትካል ኣብ ዝሳለጥ ስራሕ ሓገዝ ከምዝገብራ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ ምስ ኣምባሳደር ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ሚስ ክራ ስንድበጀርግን ዳይሬክተር ምትሕብባር ልምዓት እንግሊዝ ፓውል ዋልተር ተዛቲዮም፡፡ ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ፥ ብዛዕባ ዕላማ እቲ ኮሚሽን፣ ፕሮግራም…

ትማሊ ምሸት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠሙ ሰለስተ ሓደጋታት ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ምሸት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠሙ ሰለስተ ሓደጋታት ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት በፂሑ። ትማሊ ኣጋ ምሸት ሰዓት 11፡26 ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ወረዳ 6 ኣብ ከባቢ ኣደይ ኣበባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ክልተ…