Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ንህዝብታት ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ሓገዝ 100 ሚሊየን ብር ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ንህዝብታት ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ሓገዝ 100 ሚሊየን ብር ገይሩ። እቲ ሓገዝ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ንምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዶክተር ኢንጂነር…

መመሓየሺ ፕሮግራም ቋንቋ እንግሊዘኛ ንምዕዋት ካብ ወፃኢ ሃገራት ወለንታውያን መምህራን ናይ ምስታፍ ስራሕ ተጀሚሩ ኣሎ – ፕሮፌሰር ብርሃኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ምስ ኣምባሳደር ኣውስትራሊያ ኣብ ኢትዮጵያ ጁሊያ ኒብለት ተዛቲዮም። ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ እናተገበሩ ዝርከቡ ለውጢታትን ብኲናት ዝዓነዉ ትካላት ትምሀርቲ መሊስካ ንምህናፅ ዝግበር ፃዕሪን…

ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ስዕረትን ክሳራን እናበፅሖ ስለዝኾነ ናይ ተስፋ ምቑራፅ ስጉምቲታት እናወሰደ ይርከብ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምትሕብባር ኣካላት ኣኽበርቲ ፀፅታን ህዝቢን ዝተወሰደ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ስዕረትን ክሳራን እናበፅሖ ስለዝኾነ፤ ናይ ተስፋ ምቑራፅ ስጉምቲታት እናወሰደ ከምዝርከብ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን…

ጋንናታታት ፋሲል ከነማን ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣብ ውድድር ጋንታታት ካፍ ንኢትዮጵያን ክውክላ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ጋንታ ፋሲል ከነማ ንጋንታ ኣዳማ ከተማ 2 ን 0 ስዒራ፡፡ ሎሚ መዓልቲ ረፋድ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ፋሲል ስዒራ ንኽትወፅእ ዘኽአላ ሽቶታት ሙጂብ ቃሲም ኣመዝጊቡወን፡፡ ፋሲል…

ውርርድ ስፖርት ወይ ድማ ቤቲንግ ንኽእገድ እናሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ውርርድ ስፖርት ወይ ድማ ቤቲንግ ንኽእገድ ብዕቱብ እናሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣፍሊጡ። ኣብቲ ሚኒስቴር ተወካሊ ዳይሬክተር ልምዓት ስብእ መናእሰይ ኣይተ ኣበበ ሃይማኖት ከምዝገለፁዎ፥ ምስ ህንፀት ስብእና መናእሰይን…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ 3ይ ዙር ወፍሪ ክታበት መከላኸሊ ኮቪድ-19 ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ 3ይ ዙር ወፍሪ ክታበት መከላኸሊ ኮቪድ-19 ምሃብ ተጀሚሩ። እቲ ክታበት ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ዘለዉ 10 ተኸታተልቲ መዓልቲታት ዕድሚኦም 12 ዓመትን ልዕሊኡን ንዝኾኖም ኩሎም ኣብ ኩለን መንግስታዊ ጣቢያታት ጥዕናን ኣብ…

ቀዳማይ ጉባኤ ሰላምን ልምዓትን ቻይናን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ጉባኤ ሰላምን ልምዓትን ቻይናን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ። ብዓይነቱ ፈላማይ ዝኾነ እቲ ጉባኤ፥ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላም፣ ሰናይ ምምሕዳርን ልምዓትን ዝበሉ ዛዕባታት ኣድሂቡ ንክልተ መዓልቲታት ክካየድ ኢዩ።…

ኣማራ ሚዲያ ኮርፖሬሽን “ኣሚኮ ህብር” ዝተብሃለ ሓዱሽ ቻናል ብ10 ቋንቋታት ስራሕ ስሩዕ ፈነወ ኣጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣማራ ሚዲያ ኮርፖሬሽን "ኣሚኮ ህብር" ዝተብሃለ ሓዱሽ ቻናል ብ10 ቋንቋታት ስራሕ ስሩዕ ፈነውኡ ብዕሊ ኣጀሚሩ። እቲ ቻናል፥ ብቋንቋታት ኣምሓርኛ፣ ኦሮምኛ ፣ ትግርኛ፣ ዓፋርኛ፣ ህምጣና፣ ጉምዝኛ፣ ኣዊኛ፡ እንግሊዝኛን ዓረብኛን ሓበሬታ ንተመልከትቲ…

ህይወት ደቂ ሰባት ዝቐጥፍ ዘስካሕኽሕ ተግባር ንዕገሶ ኣይኮነን – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ብዘይሕጋዊ መገዲን ዘይሰሩዕን ሓይሊታት ዝበፅሕ መጠቃዕቲን መመሓደሪ ምዕናውን ተቐባልነት ዘይብሉ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘውፅዎ…

ኣብ ጉባኤ ሰላምን ልምዓትን ቻይና-ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ንምስታፍ ተወከልቲ ሃገራት ናብ ኣዲስ ኣበባ የኣትዉ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጉባኤ ሰላምን ልምዓትን ቻይና-ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ንምስታፍ ተወከልቲ ሃገራት ናብ ኣዲስ ኣበባ የኣትዉ ኣለዉ። ፅባሕ ኣብ ዝጅመር ቀዳማይ ጉባኤ ሰላምን ልምዓትን ንምስታፍ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዡ ቢንግ ሓዊሱ ተወከልቲ ዝተፈላለያ…