Fana: At a Speed of Life!

ብኣፈፀምቲ ኣካላት ዝበፅሑ ምምሕዳራዊ በደላት መፍትሒ ንክረኽቡ ኣብ ምግባር ፀገማት የጋጥምዎ ከምዘለዉ ትካል ሓባሲ ንብዓት ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ውሱናት ኣፈፀምቲ ኣካላት ኣብ ለዕሊ ዜጋታት ዘበፅሕዎ ምምሕዳራዊ በደላት ንምስትኽኻል ዝተቐመጡ መፍትሒታት ንክረኽቡ ተግባራዊ ኣብ ምግባር ፀገማት የጋጥምዎ ከምዘለዉ ትካል ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ትካል መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት…

ዶ/ር ሊያ ታደሰ እዋናዊ ኩነታት ኮቪድ 19 ብዝምልከት ምስ ኣቦታት ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር ሊያ ታደሰ እዋናዊ ኩነታት ኮቪድ 19 ብዝምልከት ምስ ኣቦታት ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ተዛቲየን ኮቪድ 19 ከም ሃገር ዝኸፍአ ጉድኣት የብፅሕ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ብፍላይ ቁፅሪ ብፅኑዕ ዝሓመሙ ሰባት ብምውስኹ እዛ ሃገር ብፅኑዕ…

ቀዳማይ ምዕራፍ ኳዕቲ ጉድጓድ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ሃፋ ቱሉሞዬ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ኣሩሲ ከባቢ ኢተያ ዝተጀመረ ቀዳማይ ምዕራፍ ኳዕቲ ጉድጓድ ህንፀት ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ሃፋ ከርሰ ምድሪ ቱሉሞዬ ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ። እቲ ፕሮጀክት 150 ሜጋዋት ሓይሊ ንምርካብ ኣብ ክልተ ምዕራፋት ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።…

ካብ ዝሓለፈ ናይ ሓባር ታሪክና ዝወረስናዮም ዝተዛብዑ ርክባት ብምምዕርራይ ሓደ ናይ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ማሕበረሰብ ምህናፅ ትፅቢት ይግበረና- ፕ/ት ሳህለወርቅ…

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ካብ ዝሓለፈ ናይ ሓባር ታሪክና ዝወረስናዮም ዝተዛብዑ ርክባት ብምምዕርራይ ሓደ ናይ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ማሕበረሰብ ምህናፅ ትፅቢት ይግበረና ኢለን። እተን ፕሬዚዳንት ምምሕዳር ወሰን፣ መንነትን ባዕልኻ ንባዕልኻ…

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝተፈጠረ ሰላምን ምርግጋዕን ዘላቒ ንክኸውን ነበርቲ ምስ ሓይሊ ፀፅታ ብምትሕብባር ይሰርሑ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝተፈጠረ ሰላምን ምርግጋዕን ዘላቒ ንክኸውን ነበርቲ ምስ ሓይሊ ፀፅታ ብምትሕብባር ይሰርሑ ከምዘለዉ ተገሊፁ። እቶም ነበርቲ ኣብ ልዕሊ ጁንታ ህወሓት ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ድሕሪ ምክያዱ እታ ከተማ ናብ ሰለማዊ ምንቅስቓስ…

ቀዳማይ ጉባኤ ኢንቨሰትመንት ትራንስፖርት ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ጉባኤ ኢንቨሰትመንት ትራንስፖርት ይሳለጥ ኣሎ። እቲ ጉባኤ ኣብ ኢትዮጵያ ንመጀመሪያ ግዘ ዝካየድ ዘሎ እንትኸውን፥ ሚኒስቴር ትራንስፖረት ምስ ዘዳለዎ መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ብምጥዕዓም ዝካየድ ኢዩ ተባሂሉ። ኣብቲ ጉባኤ ፕሬዚዳንት…

ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ሰብነት ንኽህልዎ ልዝብ ይገብር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ሰብነት ሃሊዩዎ ናፃን ዘይሻራዊን ትካል ኮይኑ ንኽንቀሳቐስ ልዝብ ይገብር ኣሎ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ኣፈፃፅማ ፀብፃቡ ከምኡ እውን ኣብ ምምሕያሽ ረቂቕ ሰነድ ቃል ኪዳን እቲ ሓበራዊ ቤት ምኽሪን…

ዘፈር ቱሪዝም ብዲጂታል ቴክኖሎጂ ንምዝማን ዘኸእል ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሚኒስቴር ባህልን ቱሪዝምን ዘፈር ቱሪዝም ብዲጂታል ቴክኖሎጂ ንምዝማን ዘኸእል ስምምዕነት ተፈራሪሞም። እቲ ስምምዕነት ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣብረሃም በላይን ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ዶክተር ሂሩት…

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንግድብ ህዳሰ ዝኸውን ዕድጊት ቦንድ ብር 200 ሚሊየን ፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝኸውን ዕድጊት ቦንድ ብር 200 ሚሊየን ፈፂሙ። እቲ ባንኪ ዕድጊት ቦንድ ፈፂሙ ዘሎ፥ ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያን መተሓባበሪ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ተሳትፎ ህዝቢ ግድብን ብምትሕብባር ኣብ ዝተሰናድአ…

እኒ ኣይተ ስብሓት ነጋ ጉዳይና ኣብ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ይረአየልና ክብሉ ስምዕታ ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍቢሲ)እኒ ኣይተ ስብሓት ነጋ ጉዳይና ኣብ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ይረአየልና ክብሉ ስምዕታ ኣቕሪቦም። እቲ ስምዕታ ሎሚ መዓልቲ ናብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል መጋባእያ ምድብ ኣራዳ ቀሪቦም ኢዩ። ኣብ መጋባእያ ዝተረኸቡ ጉጅለ ላእለዋይ ዓቃቢ…