Fana: At a Speed of Life!

ጎንፂ መተከል ህንፀት ግድብ ህዳሰ ንምትእጉጓል ዝዓለመ ከምዝኾነ ብምግንዛብ ንመፍትሒኡ ምስራሕ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ጉባኤ ትካላት ሃማኖት ሃይማኖትን ጥምረት መማኸርቲ ዓበይቲ ዓዲን ምስ ዓበይቲ ዓዲ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ከተማ ኣሶሳ ተዛቲዮም፡፡ ተወካሊ እቶም ሽማግለታት ሻለቃ ሃይለ ገብረስላሰ፥ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዓሸራ ኢትዮጵያውያን ዝዓረፈሉ…

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ ጋንታታት እናተፃወቱ ዝነበሩ ተፃወትቲ ዝተፈቐደ ፍሉይ እዋን ዝውውር ተናዊሑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፎዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ ጋንታታት እናተፃወቱ ዝነበሩ ተፃወትቲ ዝተፈቐደ ፍሉይ እዋን ዝውውር ክሳብ 23 ጥሪ 2013 ዓ.ም ኣናዊሑ። እቲ ዝውውር ኣብቲ ክልል ብምኽንያት ዝነበረ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣብ ውሽጢ…

ጋዜጠኛታት ድምፂ ወያነ (DW international) መደብ ቋንቋ ኦሮሚኛ ንህዝቢ ይቕሬታ ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጋዜጠኛታት ድምፂ ወያነ (DW international) መደብ ቋንቋ ኦሮሚኛ ንህዝቢ ይቕሬታ ሓቲቶም። ልሳን እቲ ጉጅለ ጁንታ ዝነበረ ቴሌቪዥን ድምፂ ወያነ፥ ኣብቲ ጣቢያ ቅድሚ ኣዋርሕ ፈነወ ቋንቋ ኦሮሚኛ ብምጅማር ናይ ሓሶት ዜናታትን ብመርህ…

ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ጉዳይ ዶብ ብዲፕሎማሲያዊን ብዘተን ንኽትፈትሕ ደቡብ ሱዳን ኣተሓሳሲባ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ጉዳይ ዶብ ብዲፕሎማሲያዊን ብዘተን ንኽፈትሕ ኣተሓሳሲቦም። ፕሬዚዳንት ሳልቫኪር ኣብ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ኣባል ብዝኾኑ ሻምስ ል ዲን ካባሺ ዝተመርሐ ልኡኽ ናብ ቤት ፅሕፈቶም…

ኣብ ምክልኻል ኮቪድ-19 ዘተኮረ ወፍሪ ካብ 3 ጥሪ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምክልኻል ኮቪድ-19 ዘተኮረ ወፍሪ ካብ 3 ጥሪ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ከምዝካየድ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣብቲ ጉዳይ ኣድሂቡ ምስ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ተዛቲዩ። ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ እቲ…

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሜሪካ ኣብ ኣፀጋሚ ሰዓት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ሓገዞም ንዘርኣዩ ኢትዮጵያውያን ምስጋና ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)“ኣብ ካፒቶል ሂል መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈፀመሉ ኣፀጋሚ ሓገዞም ንዘርኣዩ ኢትጵያውያን ምስጋና ይብፃሕኹም” ክብሉ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክ ራይነር ገሊፆም። ኮንግረስ ኣሜሪካ ቆፀራ ድምፂ ተመረፅቲ መረፅቲ ብምዝዛም ጆ ባይደንን ካማላ…

ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝተሓምሸሻ ኣውሮፕላናት ተተሓሒዙ ኩባኒያ ቦይንግ 2 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ክኸፍል ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣30 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኩባኒያ ቦይንግ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ምስ ዝተሓምሸሻ ኣውሮፕላናት ማክስ 737 ተተሓሒዙ ሓሬታ ዲዛይን ኣውሮፕላናት ብምሕብኡ 2 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ኢዩ። ካብ ግልፅነት ብዝበለፀ ትርፊ ኣብሊፁ ኢዩ ክብል…

441 ተወሰኽቲ ሰባት ቫይረስኮሮና እንትርከቦም 47 ሰባት ድማ ድሒኖምም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 4 ሺሕን 670 ዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ 441 ሰባት ቫይረስኮሮና ከምዝተረኸቦም ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ኣብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ብዝተገበረ ምርመራ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ቁፅሮም 127 ሺሕን 227 በፂሑ።…

91 ዜጋታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሊባኖስ ይነብሩ ዝነበሩ 91 ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። እቶም ዜጋታት ኣብ ሊባኖስ ብዘይ ሕጋዊ ሰነድ ይነብሩ ከምዝነበረ ተሓቢሩ። ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ሊባኖስ ጉዳዮም ኣብ መንግስቲ ሊባኖስ ምስ ኣፈፀመ ሎሚ መዓልቲ ናብ…

9 ኣባላት ጉጅለ ህውሓት ኣብ ቁፅፅር ዉዒሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ሓላፊ መምርሒ ወፍሪ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብ/ጄኔራል ተስፋዬ  ኣያሌው ከምዝበልዎ  9 ኣባላት ጉጅለ ጁንታ ህውሓት ኣብ ቁፅፅር እንትውዕሉ ኣርባዕተ ድማ ስጉምቲ ተወሲዱሎም ኣሎ። ብመሰርት እዚ፥ 1.  ኣቐባሊ ቃል እቲ ጁንታ ሴኩቱሬ…