Fana: At a Speed of Life!

በዓል ልደት ብዘይምንም ፀገም ፀፅታ ንክኽበር ዘኽእል ቅድመ ምድላው ከምዝገበረ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣27 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)በዓል ልደት ብዘይምንም ፀገም ፀፅታ ንክኽበር ዘኽእል ቅድመ ምድላው ከምዝገበረ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ። ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ርከብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ኮማንደር ፋሲካ ፋንታ ከምዝበልዎ፥ ኣብ ዝተፈለላዩ ከባቢታት እታ ከተማ ምስ ዝርከቡ…

ውፅኢት ክልላዊ ፈተና ተምሃሮ 8ይ ክፍሊ ክልላት ኦሮሚያ ኣምሓራን ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ውፅኢት ክልላዊ ፈተና ተምሃሮ 8ይ ክፍሊ ክልላት ኦሮሚያ ኣምሓራን ዕላዊ ኮይኑ። ብምኽንያት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ደንጉዩ ኣብዚ ዓመት ዝተውሃበ ክልላዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ውፅኢቱ ዕላዊ ከምዝኾነ ቢሮ ትምህርቲ ክልቲአን ክልላት ኣፍሊጦም፡፡ ኣብ…

ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ኳታር ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳ ጉዕዞ ምድርን ባሕርን ከምተልዕሎ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ኳታር ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳ ዲፕሎማሲያዊን ኢኮኖሚያዊን ምቅስቓስ ምድርን ባሕርን ከምተልዕሎ ገሊፃ። እቲ ስጉምቲ፥ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝካየድ ዋዕላ ወሽመጥ ዓረብ ኣቐዲሙ ዝተወሰደ ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ከም…

ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ቦጂ ዲርመጂ ንኦነግ ሽኔ ኣውጊዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ቦጂ ዲርመጂ ኦነግ ሽኔ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ንዘብፅሖ ጥፍኣት ኣውጊዞም። ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ኣይተ ጨነቀ ቡልቻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘግናኒ ተግባር ይፍፅም ምህላዉ ብምግላፅ፥ እቲ ሕብረተሰብ ነቲ ጉጅለ…

ኣብ ወታደራዊ መሰልጠኒ ሁርሶ እናሰልጠኑ ዝነበሩ ምልምል ወታደራት ስነ-ስርዓት ምረቓ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ወታደራዊ መሰልጠኒ ሁርሶ እናሰልጠኑ ዝነበሩ ምልምል ወታደራት ስነ-ስርዓት ምረቓ ተኻይዱ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣዛዚ ማእኸል ምኽባር ሰላም ሰራዊት ምክልኻል ሌተናል ጄኔራል ደስታ ኣብቼ ሓዊሱ ላዕለዎት ወታደራዊ ኣመራሓታት፣ ፃውዒት ዝተገበረሎም…

ኢትዮጵያ ንኣፈላላይ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኲናት መፍትሒ ኣይኮነን ኢላ ከምተኣምን ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንኣፈላላይ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኲናት መፍትሒ ኣይኮነን ኢላ ከምተኣምን ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም። እቶም ኣቐባሊ ቃል ኣብ ዘሃቡዎ ሰሙናዊ መግለፂ፥ ምስ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ተተሓሒዙ ዘሎ…

ብገበን ኽሕደት ሃገር ተጠርጢሮም ትእዛዝ ማእሰርቲ ወፂኡሎም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ኣመራርሓታትን ጦር መኮንናትን ምርመራ እናተገበረሎም ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብገበን ኽሕደት ሃገር ተጠርጢሮም ትእዛዝ ማእሰርቲ ወፂኡሎም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ኣመራርሓታትን ጦር መኮንናትን ምርመራ እናተገበረሎም ከምዝኾነ ኮሚሽን ፖሊስ ፈፌዴራል ኣፍሊጡ። ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢን ኮሚሽን ፖሊስ…

በዓልቲ ቤትን ውላድን ኣምባሳደር ስዩም መስፍን 50 ሺሕ ብር ዋሕስ ብምትሓዝ ንክወፅኡ ቤት ፍርዲ ፈቒዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓልቲ ቤት ኣምባሳደር ስዩም መስፍን ወይዘሮ ፈለገ ህይወት በርሀን ውላዶም ኣግኣዚ ስዩምን 50 ሺሕ ብር ዋሕስ ብምትሓዝ ንክወፅኡ ቤት ፍርዲ ፈቒዱ። ነዚ ዝፈቐደ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣራዳ ምድብ መጋባእያ ቆፀሮ ጊዘ ኢዩ።…

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተዘዋወረ ዝነበረ 71 ካርቶን መድሓኒት ከምዘሓዘ ፖሊስ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብኮንትሮባንድ እናተዘዋወረ ዝነበረ 71 ካርቶን መድሓኒትን 57 ካርቶን ሽቶን ከምዘሓዘ መምርሒ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ። እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ክተሓዙ ዝኸኣሉ ኣብ ክፍለ ከተማ ኣዲስ…

መራኸብቲ ሓፋሽ ዝተሰሓሓተ ሓበሬታ ከስዕባ ዝኽእል ሃገራዊ ምንጋዕ ኣቐዲሞም ብምርዳእ በቢግዚኡ ዝተውሃቦም ሓላፍነት ንክዋፅኡ ሕቶ ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መራኸብቲ ሓፋሽ ዝተሰሓሓተ ሓበሬታ ከስዕባ ዝኽእል ሃገራዊ ምንጋዕ ኣቐዲሞም ብምርዳእ በቢግዚኡ ዝተውሃቦም ሓላፍነት ንክዋፅኡ ሕቶ ቀሪቡ። ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ መራኸብቲ ሓፋሽን ኣብ ሃገራዊ ሰላምን ህዝባዊ ሓድነትን ዘድሃበ መድረኽ ዘተ…