Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ብኦን ላይን ንምፍታን ዝገብሮ ምድላው እናዛዘመ ምዃኑ ሚኒስቴር ትምህርቲ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ትምህርቲ ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዘበነ ትምህርቲ 2013 ዓ.ም ብኦን ላይን ንምፍታን ዘኽእሎ ኣድላዪ ምድላው ከምዝገበረ ኣፍሊጡ። ንሰብሞያታት ስልጠና ምሃብ ዝተጀመረ እንትኸውን፥ ኣብ ኣቢያተ ትምህርቲ ድማ ፈተና ንመሃብ ዘኽእል እኹል…

ቤት ፍርዲ ኣርተሲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ብምቕታል ዝተኸሰሱ 4 ውልቀሰባት ብመንግስቲ ጠበቓ ንኽቖመሎም ኣዚዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ፍርዲ ኣርተሲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ብምቕታል ዝተኸሰሱ ኣርባዕተ ውልቀሰባት ብመንግስቲ ተኸላኻሊ ጠበቓ ንኽቖመሎም ኣዚዙ። ተኸሰስቲ ብመሰረት ቆፀረኦም ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ቀዳማይ መጋባእያ ገበን ጥሕሰት ሕገ-መንግስቲን ፀረ ግብረ…

ኣብ ማራቶን ለንደን ውፅኢት ዘመዝገቡ ኣትሌታት ኣዲስ ኣበባ እንትበፅሑ ኣቀባብላ ተገይሩሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብብርኪ ፕላቲኒየም ዝተሰየመ ንመበል 40 ግዘ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ለንደን ውፅኢት ዘመዝገቡ ኣትሌታት ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም። እቶም ኣትሌታት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ድማ ኣቀባብላ ተገይሩሎም። ኣብቲ…

ኣብ ዝቕፅሉ 7 መዓልቲታት ኩነታት ዝናብ ምብራቕ ኣፍሪካ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኢጋድ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቕፅሉ ሸውዓተ መዓልቲታት ኩነታት ዝናብ ምብራቕ ኣፍሪካ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ትካል በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ኣፍሊጡ። ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንዝቕፅሉ ሸውዓተ መዓልቲታት ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ…

ኣብ ክልል ጋምቤላ ብምኽንያት ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ልዕሊ 4 ሺሕን 500 ዜጋታት ተመዛቢሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብክልል ጋምቤላ ብምኽንያት ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ኣብ ወረዳ ላሬ ዝርከባ 28 ጣቢያታት ዝነብሩ ክፋላት ሕብረተሰብ ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ተገሊፁ። ብተመሳሳሊ ኣብ 16 ጣቢያታት ዞባ ኑዎር ወረዳ ዋንቱዋ ዝነብሩ ልዕሊ 4 ሺሕን 500 ዜጋታት…

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ክትትል ሕክምና ቫይረስኮሮና ይገብሩሉ ካብ ዝነበሩ ሆስፒታል ብምውፃእ ናብ ዋይት ሃውስ ከምዝተመለሱ ተገሊፁ። እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክሕከሙ ዝፀንሐ እንትኾኑ፥…

ካብ ከባቢ ዓፋር ናብ ወረዳ ራያ ጨርጨር ትማሊ ዝኣተወ ዕስለ ኣንበጣ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ ከባቢ ክልል ዓፋር ናብ ወረዳ ራያ ጨርጨር ጣብያታት ሓዲስ ቅኝን ባላን ትማሊ ዝኣተወ ሓዱሽ ዕስለ ኣንበጣ ከምዘሎ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ገሊፆም። እቶም ዋና ኣመሓዳሪ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም…

ካብ 100 ሺሕ ንላዕሊ ዘሎ ኖት ብር ዝቕየረሉ እዋን 6 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ክዛዘም ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ 100 ሺሕ ንላዕሊ ዝኾነ ኣረጊት ኖት ብር ዝሓዙ ኣካላት ክሳብ 6 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ብሓዱሽ ኖት ብር ንኽቕይሩ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ፀዊዑ። መንግስቲ ዝፀንሐ ኖት ብር ብሓዱሽ ኖት ብር ንምቕያር ገደብ እዋን 90 መዓልቲ ከምዘቐመጠ…

ኢትዮጵያ ካብ ዝቕፅል ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚራ በሪታታ ንቱሪዝም ክፍቲ ክትገብር ኢያ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ካብ ዝቕፅል ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ጀሚራ በሪታታ ንቱሪዝም ክፍቲ ከምእትገብር ቱሪዝም ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ዋና ዳይሬክተር ቱሪዝም ኢትዮጵያ ኣይተ ስለሺ ግርማ ከምዝበልዎ፥ ቫይረስኮሮና ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ልዑል ፅዕንቱ ኣሕዲሩ ፀኒሑ…

ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 618 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 6 ሺሕን 62 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 618 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 79 ሺሕን 437…