Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ናፃ ንግዲ ኣህጉራዊ ቀጠና ኣፍሪካ ናብ ስራሕ ብምእታዉ ዝተሰመዖም ታሕጓስ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ናፃ ንግዲ ኣህጉራዊ ቀጠና ኣፍሪካ ናብ ስራሕ ብምእታዉ ዝተሰመዖም ታሕጓስ ገሊፆም። እዚ ድማ ኣእሞሮ እታ ኣህጉር ንሓሳብ፣ ዕዳጋኣ ድማ ንንግዲ ክፍቲ ዝኾኑሉ ቀጠናዊ ውህደት ኢዩ ኢሎም። እቶም ቀዳማይ…

ሱዳን ኣብ ዳርፉር ዘሎ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ድሕንነቱን ስርዓቱን ተሓሊዩ ንክወፅእ ንክትገብር ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሱዳን ኣብ ዳርፉር ዘሎ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ድሕንነቱን ስርዓቱን ተሓሊዩ ንክወፅእ ንክትገብር ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪካን ኣተሓሳሲቡ። ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪካን ብሓባር ኣብ ሱዳን ዳርፉር ዘዋፈርዎ ዓቃቢ ሰላም…

ኣብ ትግራይ ፖለቲካዊ ውድባት ዘሳትፍ ሃዋህው ከምተፈጥረ ትዴፓ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ዘሳትፍ ፖለቲካዊ ሃዋህው ብምፍጣሩ ንዕቤት ህዝቢ ትግራይ ፅቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ክብሉ ዋና ፀሓፊ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ(ትዴፓ) ኣይተ ጊደና መድሕን ገሊፆም። ኣይተ ጊደና መድሕን ብፍላይ ንወጋሕታ ጋዜጣ…

ኣብ ዞባ መተከል ይውሰድ ብዘሎ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ዕጡቓት ሓይሊታት ኢዶም ይህቡ ከምዘለዉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከልል ቤኒሻንጉል ጉመዝ ዞባ መተከል ይውሰድ ብዘሎ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ዕጡቓት ሓይሊታት ኢዶም ይህቡ ከምዘለዉ ብቐዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተጣየሸ ግብረ ሓይሊ ኣፍሊጡ። ነቲ ምኽባር ሕጊን ዓውዲ ፀፅታን ዝመርሑ ሌተናል ጀኔራል…

ሩሲያ ኣብ ትግራይ ንዝተጎድኡ መሰረተ ልምዓታት ንምፅጋን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ደገፍ ከምእትገብር ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሩሲያ ኣብ ትግራይ ንዝተጎድኡ መሰረተ ልምዓታት ንምፅጋን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ደገፍ ከምእትገብር ኣብ ኢትዮጵያ የሩሲያ ኣምባሳደር እታ ሃገር ኢቭጌት ተረኪን ገሊፆም። እቶም ኣምባሳደር መነግስቲ ኣብቲ ክልል ዝገበሮ ሕጊ ወፍሪ ምኽባር ሕጊን ህልውናን…

ብሪታኒያ ኣብ’ዚ ሓድሽ ዓመት ካብ ሕብረት ኣውሮፓ  ብዕሊ ወፂኣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሪታኒያ ኣብ’ዚ ሓድሽ ዓመት 2021  ካብ ሕብረት ኣውሮፓ  ብዕሊ ተፈልያ ሓድሽ መገዲ ከምዝጀመረት ተገሊፁ። እታ ሃገር ሓሙስ ናብ ዓርቢ ኣብ ዘውገሓሉ ዕለት ካብ ለይቲ ሰዓት ሓሙሽተ ጀሚሩ ንሕግታት ሕብረት ኣውሮፓ ምስዓብ ደው ከምዘበለት…

ኣብ ክልል ኦሮሚያ መቕተልቲ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝተፈፀመ ገበን ምግጣሙ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ መቕተልቲ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝተፈፀመ ገበን ምግጣሙ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ ገሊፁ። እቲ መቕተልቲ ስዒቡ ብዘጋጠመ ምንጋዕ ፀፅታ ዝተሳተፉ ሰባትን ጉጅለታትን ኣብ ልዕሊ ስቪል…

ኣብ ከተማ ደብረማርቆስ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ 48 ሹቓት ጉድኣት በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ደብረማርቆስ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ 48 ሹቓት ጉድኣት ከምዝበፅሐ ፖሊስ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኢንስፔክተር አጃናው አዲስ፥ እቲ ሓደጋ ባርዕ ጉልት ኣብ ዝበሃል ኣዳራሽ ዕዳጋ ኢዩ ኣጋጢሙ ኢሎም።…

ውፅኢት ምህዞ ተምሃሮ ብኣግባቡ ምምራሕ ዘኽእል ረቂቕ መምርሒ ተሰናዲኡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ትምህርቲ ብዓውዲ ሳይንስ፣ ቴክበኖሎጂ፣ ምህንድስና፣ ጥበብን ሒሳብን ኣቢሎም ዝቐርቡ ውፅኢት ምህዞ ተምሃሮ ብኣግባቡ ምምራሕ ዘኽእል ረቂቕ መምርሒ ከምዝተሰናድአ ኣፍሊጡ። እቲ መምርሒ እቶም ተምሃሮ ስራሕቲ ምህዘኦም ንከቕርቡን ተዓወትቲ…

ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስኮሮና ፅምብል ሓድሽ ዓመት 2021 ደብዚዙ ይብዓል ኣሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምሉእ ዓለም ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስኮሮና ሰባት ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ከይተኣኻኸቡ ዝኽልክል እገዳታት ብምህለው ዳርጋ ንፈለማ እዋን እቲ ፅምብል ሓድሽ ዓመት 2021 ደብዚዙ ይብዓል ከምዘሎ ተገሊፁ። ካብ ኣውስትራልያ ከተማ ሲድኒ ክሳብ ኒውዮርከ…