Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 1 ሺሕን 38 ሰባት እንትርከቡ 13 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 09 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 17 ሺሕን 323 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 1 ሺሕን 38 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት…

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣብ ፕሮጀክት ምፅባቕ ሸገር ንዝተዋፈሩ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ፕሮጀክት ምፅባቕ ሸገር ንዝተዋፈሩ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ኣብ ዘቐመጡዎ ፅሑፍ፥ “ምስሊ ከተማና ዝለዓለ ለውጢ ንኸርኢ ንዝገበሩን ገንዘቦም፣…

ዓቃቢ ሕጊ ኣብ እኒ ኣይተ እስክንድር ነጋ መሰኻኽር ቅድመ ምርመራ ምስማዕ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ላእለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ኣብ እኒ ኣይተ እስክንድር ነጋ ብዝተጠርሩዎ ገበን ምልዕዓል ጎንፂ ሕድሕድን ሃይማኖትን መሰኻኽር ቅድመ ምርመራ ንመጋባእያ ኣመዝጊቡ። ብመሰረት እዚ ኣብ መበል 3ይ፣ 5ይ፣ 6ይን 7ይን ታራ ቑፅሪታት ዝተመዝገቡ መሰኻኽር…

ኢትዮጵያ ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝተጀመረ ወፍሪ ምፍላጥ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ተፀምቢራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኢትዮጵያ ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝተጀመረ ወፍሪ ምፍላጥ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምፅምባራ ኣፍሊጠን። ናብቲ ወፍሪ “ማስክ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ቃል ምፀምባራ እውን ገሊፀን። ኣብቲ ወፍሪ ምፍላጥ መሸፈኒ…

ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ንህንፀት ግድብ ህዳሰ ዝኸውን ልዕሊ 700 ሺሕ ዶላር ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ንህንፀት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝውዕል700 ሺሕን 506 ዶላር ኣሜሪካ ሓገዝ ምግባሩ ኤጀንሲ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ማሕበረሰብ ዳያስፖራ፥ ግድብ ህዳሰ ህንፀት ካብ ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ…

ኣብ ዝቕፅሉ ናይ ክረምቲ ኣዋርሕ ስሩዕን ካብ ስሩዕ ንላዕሊን ዝናብ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝቕፅሉ ናይ ክረምቲ እዋናት ኣዋርሕ ስሩዕን ካብ ስሩዕ ንላዕሊን ዝናብ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኤጀንሲ ብሄራዊ ሚቲዮሮሎጂ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ኢትዮጵያ ስሩዕን ካብ ስሩዕ ንላዕሊን ዝኾነ መጠን…

ብሪታኒያ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ቀረብ ምትእስሳር ፍርያት ማዕበልቲ ሃገራት ንምቁፅጣር ዝሕግዝ መርሃግብሪ 6 ነጥቢ 85 ሚሊየን ፓውንድ ሓገዝ ዕላዊ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ እንግሊዝ ምስ ማሕበረሰብ ንግዲ ብምትሕብባር ቀረብ ምትእስሳር ፍርያት ማዕበልቲ ሃገራት ንምቁፅፃር ዝውዕል መርሃግብሪ 6 ነጥቢ 85 ሚሊየን ፓውንድ ሓገዝ ዕላዊ ገይሩ። እቲ መርሃ-ግብሪ ኣብ እዋን ቫይረስ ኮሮና ኣብ ውሽጢ ማዕበልቲ ሃገራት…

ነበር ተፃዋቲ ጋንታ ቸልሲ ዊሊያን ብውዕሊ ሰለስተ ዓመት ናብ ጋንታ ኣርሰናል ተፀምቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብራዚላዊ ተፃዋታይ ክፍሊ መስመር ኣማካር ዊሊያን ናብ ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ኣርሰናል ብውዕሊ ሰለስተ ዓመት ተፀምቢሩ። ዊሊያን ካብ ጋንታ ምዕራብ ለንደን ቸልሲ ብምልቃቕ ኢዩ ብናፃ ናብ ጋንታ ሰሜን ለንደን ኣርሰናል ኣምሪሑ ዘሎ። ወዲ 32 ዓመት…

ኣብ ትግራይ ልዕሊ 1 ሺሕን 500 ተሃነፅቲ ሕጊ ብይቕረታ ክፍትሑ ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፤ 8 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮማንድ ፖስት መኸተ ቫይረስኮሮና ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 07 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ብምኽንያት ቫይረስኮሮና 38 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 1 ሺሕን 568 ተሃነፅቲ ሕጊ ድሕንነቶም ንምሕላው ብይቕረታ ክፍትሑ ከምዝተወሰነ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል…

ኣብ 7 ሃገራት ኣፍሪካ ምርመራ ዓቕሚ ምክልኻል ሰውነት ቫይረስ ኮሮና ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪካ ምርመራ ዓቕሚ ምክልኻል ሰውነት ቫይረስ ኮሮና ክጅመር ምዃኑ ተገሊፁ። እቲ ምርመራ ዓቕሚ ምክልኻል ሰውነት፥ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ከምዝጅመር ማእኸል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት ኣፍሪካ ኣፍሊጡ። ቫይረስ ኮሮና ኣብ…