ብሪክስ ንዓለም ለኻዊ ለውጢ ዝሰርሕ ብርቱዕ ሓይሊ ናብ ምዃን ተሸጋጊሩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ሪዮ ዲ ጄኒሮ ይካየድ ኣብ ዘሎ መበል 17 ጉባኤ መድረኽ ሰላም፣ ፀፅታን ዓለም ለኸ ኣመራርሓን ብሪክስ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ዕዉት ምትሕብባር ንምኽኣል ዝበለፀ ምትእምማን ክብ ዘብሉ ዓለም ለኸ ትካላት ናይ…