Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊን እዋናዊን ዛዕባታት ዝጠመተ ሰልጠና ንላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊን እዋናዊን ዛዕባታት ዝጠመተ ሰልጠና ንላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ይወሃብ ኣሎ። ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) እቲ ሰልጠና ኣጀሚረሙዎ። "የሕልም ጉልበት ለእመርታዊ እድገት"…

675 ነጥቢ ብምምፃእ ብብርኪ ሃገር ብሕታዊ ፀብለልታ ዝዓተረ ተምሃራይ ዮናስ ንጉስ ኣብ ሽረ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ 675 ነጥቢ ብምምፃእ ብብርኪ ሃገር ብሕታዊ ፀብለልታ ዝዓተረ ተምሃራይ ዮናስ ንጉስ ኣብ ከተማ ሽረ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሉ ንተማሃራይ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ዮናስ ንጉስ፥ ማሕበር ቀዳሞት ተማሃሮን…

መበል 1 ሺሕን 499 በዓል መውሊድ ነብዩ መሓመድ (ሰ.ዐ.ወ) ፅባሕ ክኽበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 1 ሺሕን 499 በዓል መውሊድ ነብዩ መሓመድ (ሰ.ዐ.ወ) ፅባሕ ክኽበር ኢዩ። ኣካቢ ዓብዪ ኮሚቴ ኣከባብራ እቲ በዓል ሼኽ ኣብድልሃሚድ ኣሕመድ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቲ በዓል “ናይ ሰላም ነብይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ተኸቢሩ…

ዩኒቨርሲቲታት ተምሃሮ ብእዋኖም ንምቕባል ዘኽእል ምድላወን ከምዝዛዘማ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ  ንዘበነ ትምህርቲ 2017 ተምሃሮ ብእዋኖም ንምቕባል ዘኽእል ምድላወን ከምዝዛዘማ ሚኒስቴር ትምህርቲ ገሊፁ መራሒ ኣካያዲ ስራሕ ጉዳያት ኣካዳሚ እቲ ሚኒስቴር ኤባ ሚጀና (ዶ/ር)፥ ኣብ 2017 ዓ.ም ዩንቨርስታት ንፅርየት…

ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ኢትዮጵያን ቻይናን ልምዲ ዝለዋወጥሉ መድረኽ ንክሰናዳእ ዘኽእል ስምምዕነት ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ኢትዮጵያን ቻይናን ልምዲ ዝለዋወጥሉ መድረኽ ንክሰናዳእ ዘኽእል ስምምዕነት ተኻይዱ። ኣብ መንጎ ሚኒስቴራት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያን ቻይናን ዘሎ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ንምጥንኻር ዝዓለመ ዘተ ተሳሊጡ። ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥…

ኣብ መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ  ሎሚ ሸሞንተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ አብ ዝሳለጥ መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ  ሸሞንተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም። ብመሰረት እዚ ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ሳውዝሃምፕተን ሰዓት 8፡30 ኣብ ስታዲየም ሴንት ሜሪ ከምዝረኻቡ እቲ መርሃ ግብሪ ይገልፅ። 11 ሰዓት ድማ፥  …

ዝተዋደደ ስርዓት ምሕደራ ማሕበራዊ ውሕስና ንምዝርጋሕ ስምምዕነት ተኸቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መርበብ ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ ዝተዋደደ ብሄራዊ ስርዓት ምሕደራ ማሕበራዊ ውሕስና ንምዝርጋሕ ስምምዕነት ተኸቲሙ። እቲ ስምምዕነት÷ ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ኢንፎርሜሽንን (ኢመደኣ) ምስ ምምሕዳር ማሕበራዊ ውሕስና ሰራሕተኛታት ውልቀ ትካላትን…

ድሕንነት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕ ተንቀሳቒሶም ኢዮም ኣብ ልዕሊ ዝተብሃሉ ውልቀሰባት ክሲ ተመስሪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ድሕንነት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕ ተንቀሳቒሶም ኢዮም ኣብ ልዕሊ ዝተብሃሉ ውልቀሰባት ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ልደታ መጋባእያ ክሲ ተመስሪቱ። ዓቃቢ ሕጊ ዝተወደቡን ገበን ተሻጋሪ ጉዳያትን ሚኒስቴር ፍትሒ ኣብ መዝገብ ክሲ…

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ልዑል ሽልማት ትራንስፖርት ቱሪዝም ተዋሂቡዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ቦትስዋና ጋቦሮኒ ኣብ ዝተሳለጠ ፎረም ኣመራርሓ ቱሪዝም ኣፍሪካ 2024 ልዑል ሽልማት ትራንስፖርት ቱሪዝም ተዋሂቡዎ እቲ ሽልማት ደረጅኡ ዝሓለወ ኣገልግሎት ንምንገደኛታት ብምቕራብ ኢሉውን ኣብ ዘላቕነትን ሓለዋ ከባቢ…

ሩሲያ ናይ ሽዱሽተ ዲፕሎማሰኛታት ብሪታኒያ ኣፍልጦ ሰሪዛ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ብገበን ስለላ ዝጠርጠረቶም ሽዱሽተ ዲፕሎማሰኛታት ብሪታኒያ ኣፍልጦኦም ከምዝሰረዘት ኣፍሊጣ፡፡ ኣገልግሎት ፀፅታን ድሕንነትን ሩሲያ ኤፍ ኤስ ቢ÷ እቶም ዲፕሎማሰኛታት ድሕንነት ሩሲያ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ምንቅስቓስ እናገበሩ ከምዝነበሩ ኣፍሊጡ፡፡…