Fana: At a Speed of Life!
Browsing Tag

ዝተመረፁ

ሽመት ኣምባሳደራት ሙያዊ ብቕዓትን ሃገራዊ ለውጢን መሰረት ዝገበረ ኢዩ – ኣምባሳደር ዲና

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ትማሊ ንኣምባሳደራት ዝተውሃበ ሽመት ሙያዊ ብቕዓት እቶም ውልቀ ሰባት ከምኡ እውን ሃገራዊ ለውጢ መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም። ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ኣድሂቦም…

ህወሓት ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ሙሉእ ብሙሉእ ኣጊዱ ኢዩ – ኣምባሳደር ታየ ኣፅቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ዓፋር ብዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ልዕሊ 200 ሺሕ ሰባት ከምዝተመዛበሉ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት በዓል ሙሉእ ልኡኽ ኣምባሳደር ታየ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም። እቲ ጉጅለ ዘስካሕኽሕ መጥቃዕቲ ዝፈፀመሎም ከባቢታት…

ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ፈተናታት ብዓወት ተሳጊራ ፀገማታ ብባዕላ ፈቲሓ ንቕድሚ ዝቐፀለት ምዃኑ ነርእየሉ ኢዩ – ኣገልግሎት…

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ መበል 35 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ፈተናታት ብዓወት ተሳጊራ ፀገማታ ብባዕላ ፈቲሓ ንቕድሚ ዝቐፀለት ምዃና ተሪአሉ ከምዝኾነ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ። ሚኒስትር እቲ ኣገልግሎት ዶክተር ለገሰ ቱሉ…

መድረኽ ርክብ ኣፈፀምቲ ሕጊ መንግስታት ፌዴራልን ክልላትን ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መድረኽ ርክብ ኣፈፀምቲ ሕጊ መንግስታት ፌዴራልን ክልላትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ። እቲ መድረኽ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት እናዘተየ ይርከብ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን…

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ን27 ኣምባሳደራት ሽመት ሂበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ን27 ኣምባሳደራት ሽመት ምሃበን ቤት ፅሕፈት ከምዝሓበሮ እተን ፕሬዝዳንት ኣፍሊጡ፡፡ ብመሰረት እዚ፦ ኣይተ ተፈራ ደርበው፣ ኣይተ ደሴ ዳልኬ ፣ ዶክተር ስለሺ በቀለ ፣ ጀነራል…

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ከምብሓዱሽ ካብ ዝወረሮም ከባቢታት ብህፁፅ ንኽወፅእ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ከምብሓዱሽ ካብ ዝወረሮም ከባቢታት ብህፁፅ ንኽወፅእን ኣብቲ ቀጠና ዝኸፈቶ ኲናት ጠጠው ንኸብልን ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ኣተሓሳሲቡ። መንግስቲ እቲ ክልል ኣብቲ ጉዳይ ኣድሂቡ መግለፂ ኣውፂኡ። ኣብ መግለፂኡ ድማ ግብረ ራዕዲ…

ቤት ምኽ ሚኒስትራት ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ግዘ ተፈፃምነቱ ንኸሓፅር ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ 2ይ ህፁፅ ኣኼባ ኣብ ልዕሊ ህልውናን ሉኣላውነትን ሃገር ዘንፀላለወ ሓደጋ ንምክልኻል ዝወፅአ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ቁፅሪ 5/2014 ተራፊ ኣብ ዝኾነሉ ውሳነ ሓሳብ ተዛቲዩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።…

ህወሓት መስመራት መተሓላለፊ ሰብኣዊ ሓገዝ ዓውደ ውግእ ብምግባር ህዝቢ ትግራይ ሓገዝ ከይረክብ ይገብር ኣሎ – ትዴፓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት መስመራት መተሓላለፊ ሰብኣዊ ሓገዝ ዓውደ ውግእ ብምግባር ህዝቢ ትግራይ ሓገዝ ከይረክብ እናገበረ ከምዝርከብ ውድብ ዴሞክራሲ ትግራይ (ትዴፓ) ገሊፁ። ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ብቓላት ክግለፅ ኣብ…

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ጅግጅጋ ተሃኒፆም ንኣገልግሎት ክፍቲ ዝኾኑ መገዲታት ተዘዋዊሮም ጎብኒዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ጅግጅጋ ተሃኒፆም ንኣገልግሎት ክፍቲ ዝኾኑ መገዲታት ተዘዋዊሮም ጎብኒዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ሓዊሱ ምስ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ…

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 1 ነጥቢ 6 ቢሊየን ዘውፅኡ ቀረባት ምግቢን ኣፋውስን ናብ ትግራይ በፂሑ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 1 ነጥቢ 4 ቢሊየን ዘውፅእ ቀረብ ምግቢን 128 ሚሊየን ብር ዘውፅእ ኣፋውስን ናብ ትግራይ ከምዝበፅሐ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ። ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ቀረብ ሓገዝ እታወት ሕክምና ብዝምልከት…