Fana: At a Speed of Life!
Browsing Tag

ዝተመረፁ

ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ውሽጢ 7 መዓልቲታት ድርድር ብምግባር ኣብ ቀፀልቲ ኣካይዳታትን ግዘ ሰሌዳን ንምስምዕማዕ ተረዳዲአን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ፣ ግብፂን ሱዳንን ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልቲታት ድርድር ብምግባር ኣብ ቀፀልቲ ኣካይዳታትን ግዘ ሰሌዳን ኣብ ስምምዕ ንምብፃሕ ከምዝተረዳድኣ ተገሊፁ። ሚኒስትር ዓለም ለኸ ርክብን ምትሕብባርን ደቡብ ኣፍሪካን ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ኣፈፃሚ…

ትራምፕ ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኣድሂቦም ዝሃቡዎ ርኢቶ ንኢትዮጵያውያን ሓደ ዝገብር ክኸውን ይግባእ – ሙሁራት

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ዝሃቡዎ ርኢቶ ንኢትዮጵያውያን ዝበለፀ ሓደ ዝገብርን ዝተጀመረ ግድብ ንምዝዛም ዝለዓዓሉሉ ክኸውን ከምዝግባእ ሙሁራት ገሊፆም። ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ፃንሒት ዝገበሩ…

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ዝሃብዎ ርእይቶ ዝውገዝን ተቐባልነት ዘይብሉን ኢዩ- ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር እድሪስ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ዝሃብዎ ርእይቶ ዝውገዝን ተቐባልነት ዘየብሉን ኢዩ ክብሉ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር እድሪስ ገሊፆም። ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር እድሪስ ዕለተ…

ትካል ልቓሕን ዕቋርን ደደቢት ሓዊሱ ዝተፈላለያ ትካላት ንመኣዲ ንሃገር ደገፍ ይገብራ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ) ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዘቕረብዎ ፃውዒት ብምቕባል ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ሓዊሱ ዝተፈላለያ ትካላት ንመኣዲ ንሃገር ደገፍ ይገብራ ኣለዋ። ብመሰረት እዚ፦ ኢንተርናሽናል ባንኪ ኣንበሳ - ብር 10 ሚሊየን ባንኪ ሕብረት…

ኢትዮጵያ ፣ ሱዳንን ግብፅን ኣብ ክሊ ህዳሰ ግድብ ዘሳልጥኡ ሰለስቲኣዊ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ ጥቅምት 17፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ኣብ ክሊ ህዳሰ ግድብ ዘሳልጥኡ ሰለስቲኣዊ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ከምዝጅምር ተገሊፁ። ኣብ ሞንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ብደገፍ ሕብረት ኣፍሪካ ኣቢሉ ዝግበር ሰለስቲኣዊ ዘተ፥ ኣብቲ ግድብ ዘለወን ኣፈላላይ ኣብ ሓበራዊ…

ክልተ ኩባኒያታት ቴሌኮም ኣብ ኢትዮጵያ ስረሖም ንኸሳልጡ ፍቓድ ከምዝወሃቦም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ክልተ ናይ ወፃኢ ኩባኒያታት ቴሌኮም ኣብ ኢትዮጵያ ስረሖም ንኸሳልጡ ፍቓድ ከምዝወሃቦም ተገሊፁ። ኣብ ከይዲ ስራሕቲ ምምሕያሽ ዓውዲ ቴሌኮም ዘተኮረ ዘተ ትማሊ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ተሳሊጡ ነይሩ። ሓደሽቲ ኦፕሬተራት ቴሌኮም ናብ…

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዕለተ ረቡዕ ኣብቲ ክልል ኣብ ዘለዋ ዝተፈላለያ ከተማታት ንዝተፀወዐ ሰለማዊ ሰልፊ ኣፍልጦ ከምዘይሃበ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዕለተ ረቡዕ ኣብቲ ክልል ኣብ ዘለዋ ዝተፈላለያ ከተማታት ንዝተፀወዐ ሰለማዊ ሰልፊ ኣፍልጦ ከምዘይሃበ ኣፍሊጡ። ዋና ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ኣይተ ግዛቸው ሙሉነህ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ብማሕበራዊ ሚዲያ…

ኣብ ልዕል ኢትዮጵያ ንዝቐርብ ፃውዒት ጥፍኣት ብሓባር ደው እንተኢልና ልዕሊ ዓቕምና ዝኾነ ነገር ከምዘየለ ኣይኮነን ንሕና ምዕባለ ኢትዮጵያ ዘይበህጉ እውን…

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ልዕል ኢትዮጵያ ንዝቐርብ ፃውዒት ጥፍኣት ብሓባር ደው እንተኢልና ልዕሊ ዓቕምና ዝኾነ ነገር ከምዘየለ ኣይኮነን ንሕና ምዕባለ ኢትዮጵያ ዘይበህጉ እውን ይግንዘብዎ ኢዮም ከብል  ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።…

ሃገራዊ ፈተና ሻምናይን 12 ክፍሊን ናይ ሰለስተ ሰሚስተራት ትምህርቲ ጥራሕ ኢዩ ዝሽፍን

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሃገራዊ ፈተና ሻምናይን 12 ክፍሊን ዓመተ 2012 ናይ ሰለስተ ሰሚስቴራት ትምህርቲ ጥራሕ ከምዝሽፍን ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ። ሚኒስትር ትምህርቲ ዶክተር ጌታሁን መኩሪያ፥ ዝዳሎ ፈተና ሙሉእ ናይ 11 ክፍሊን ቀዳማይ ሰሚስቴር 12 ክፍሊን ዝሽፍን…

ኢትዮጵያ ፣ ሱዳንን ግብፅን ኣብ ክሊ ህዳሰ ግድብ ዘሳልጥኡ ሰለስቲኣዊ ዘተ ፅባሕ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ ጥቅምት 16፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ኣብ ክሊ ህዳሰ ግድብ ዘሳልጥኡ ሰለስቲኣዊ ዘተ ፅባሕ ከምዝጅምር ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካን ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካን ሲሪል ራማፎሳ ኣፍሊጦም። ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን…