Fana: At a Speed of Life!
Browsing Tag

ዝተመረፁ

ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት ብዝተወለዐ ጎንፂ 12 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ወረዳ ማንዱራ ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት ብዝተፈጠረ ጎንፂ 12 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም። ሓላፊ ቢሮ ህንፀት ሰላምን ፀፅታን ኣይተ ጋሹ ዱጋዝ፥ እቲ ጎንፂ ትማሊ ለይቲ ሰዓት 8 ከምዘጋጠመ ገሊፆም። ብመሰረት…

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ምድላዋቱ ብቋንቋ ዓረብኛ ኣቢሉ ብቴሌቪዥን ምትሕልላፍ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ምድላዋቱ ብቋንቋ ዓረብኛ ኣቢሉ ብቴሌቪዥን ምትሕልላፍ ክጅምር ኢዩ። ካብ ዝጣየሽ ልዕሊ 25 ዓመት ዘቑፀረን ኣብ ታሪክ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ናይ ባዕሉ ኣሰር እናቐመጠ ዝተጓዓዘን ፋና…

ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ ምስ ፕሬዚዳንት ኢሳይያስ ኣብ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ግልገል ግቤ 3 ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ኣብ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ግልገል ግቤ 3 ዑደት ኣካይዶም። ኣብቲ ከባቢ ዝህነፅ ዘሎ ፕሮጀክት መኣዲ ንሃገር ኣካል ናይ ዝኾነ ህንፀት ሰብ ስራሕ ሩባ…

መበል 13 ብሄራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ሎሚ መዓልቲ ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መበል 13 ብሄራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ “ሰንደቕ ዕላማና ንሰላምና፣ ሕብረትናን ሃገራዊ ምዕባለን” ብዝብል መሪሕ ቃል ሎሚ መዓልቲ 2 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ተኸቢሩ። እቲ በዓል በቢዓመቱ ዝተፈላለዩ መሪሕ ቃላት እናተመረፀሉ፥ ብፌዴራል፣…

ፕሬዚዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ሎሚ መዓልቲ ጅማ ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ሃገረ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ሎሚ መዓልቲ ጅማ ኣቲዮም። እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ጅማ ኣባጅፋር እንትበፅሑ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣቀባቀብላ ገይረሙሎም።…

ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 866 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 7 ሺሕን 383 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 866 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 84 ሺሕን 295…

ዘፈር ሕርሻ ብቴክኖሎጂ ንምዝማን ከምዝስራሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስት ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ዘፈር ሕርሻ ንምዝማን ኣብ ዝሕግዙ ቀረባት ቴክኖሎጂ፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ምትእስሳር ዕዳጋን ፋይናንስ ክላስተርን ትኹረት ከምዝግበር ኣፍሊጦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዞባ ኣርሲ ወረዳታት ዶዶታን ሄጦሳን…

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ለውጢ ይድግፍ ኢየ ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌን የካን ወፍሪ ፅሬት ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ለውጢ ይድግፍ ኢየ ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌን የካን ወፍሪ ፅሬት ተኻይዱ። እቲ ወፍሪ ፅርየት ንጎሆ ሰዓት 12:30 ዝተሳለጠ እንትኸዉን፥ "ዝተሃነፀት እንበር ዝፈረሰት ሃገር ንትውልዲ ኣይነርክብን" ዝብል መሪሕ…

ፓርክ እንጠጦ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2013 ዓ.ም (ኤፍ ቢ ሲ)ዕላዊ ስነስርዓት ምረቓ ፓርክ እንጠጦ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ። “ሸገርን ማስዋብ” ናይ ዝበሃል ፕሮጀክት ሓደ ኣካል ዝኾነ ፓርክ እንጦጦ፥ ሃገራዊ ስያመታትን መሀደስቲ ዓውዲታትን ዘካተተ ከምዝኾነ ተገሊፁ። እቲ ፓርክ…

ንምክልኻል ኮቪድ 19 ዝውዕል 33 ሚሊየን ብር ዝግመት ናዉቲ ደገፍ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ግሎባል ላይፍ ሼሪንግ ዝተብሃለ ትካል ገባሪ ሰናይ ንምክልኻል ኮቪድ 19 ዝውዕል 33 ሚሊየን ብር ዝግመት ናዉቲ ሕክምና ንሚኒስቴር ጥዕና ደገፍ ገይሩ። ሚኒስትር ጥዕና ዶከተር ሊያ ታደሰ እቲ ትካል ዝገበሮ ደገፍ ኢትዮጵያ ንዘላቶ ፈታኒ እዋን…