Fana: At a Speed of Life!
Browsing Tag

ዝተመረፁ

ብቫይረስ ኮሮና ንዝተለኸፉ ሰባት ዝሕግዙ ሰብ ሞያታት ጥዕና ዝኾኑ 645 መንበሪ ኣባይቲ ተዳሊዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብቫይረስ ኮሮና ንዝተለኸፉ ሰባት ዝሕግዙ ሰብ ሞያታት ጥዕና ዝዓርፉሎም 645 መንበሪ ኣባይቲ ከምዝተዳለዉ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን። እተን ሚኒስትር ከምዝበለኦ፥ ኣብ እዋን ከይዲ ምቁፅፃርን ምላሽ ምሃብን ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና…

ኣብ ኢትዮጵያ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 3 ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ምርመራ ላቦራቶሪ ካብ ዝተገበረሎም 225 ሰባት እቶም ሰለስተ ውልቀ ሰባት ብኮቪድ-19 ከምዝተለኸፉ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ እቲ ቫይረስ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ ኣብ…

ቤት ሚኒስትራት ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና እናተበኣኣሰ ብምምፅኡ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣዊጁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ መጋቢት 30 ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ፌዴሪኢ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና እናተበኣኣሰ ምምፅኡ ምኽንያት ብምግባር ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ምእዋጁ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ እቲ ኣዋጅ ብዝምልከት ኣብ…

ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 5ይ ዘበን 6ይ ህፁፅ ጉባኤኡ ፅባሕ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ከሳልጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራC 5ይ ዘበን 6ይ ህፁፅ ጉባኤኡ ፅባሕ 1 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም ብቪድዮ ኮንፈረንስ ከምዘሳልጥ ርክብ ህዝብን ግልጋሎት ኮንፈረንስ እቲ ቤት ምኽሪ ኣፍሊጡ። ርክብ ህዝብን ግልጋሎት ኮንፈረንስ እቲ ቤት ምኽሪ…

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ህፁፅ ኣኼቡኡ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ህፁፅ ኣኼቡኡ የሳልጥ ኣሎ። ሎሚ መዓልቲ ዝተጀመረ እቲ ኣኼባ፥ ኣብ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮናን ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነታት ከመሓላልፍ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ። እቲ ኮሚቴ ኣብ ምክልኻል ለበዳ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ምስ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ክሊ ኮቪድ-19 ብምድሃብ ብስልኪ ተዛቲዮም። ክልቲኦም መራሕቲ፥ እቲ ቫይረስ ንዘስዕቦ ምንጋዕ ኢኮኖሚን ማሕበራዊ ጉዳይን ብኣግባቡ ምላሽ ንምሃብ ብዘኽእል…

ኣብ ኢትዮጵያ ወዲ 9 ኣዋርሕ ህፃን ሓዊሱ 8 ተወሰኽቲ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ 8 ተወሰኽቲ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም። በቲ ቫይረስ ካብ ዝተለኸፉ እቲ ሓደ ወዲ 9 ኣዋርሕ ህፃን እንትኸውን፥ ኣዲኡ እውን ብቫይረስኮሮና ከምዝተትሓዘት ተገሊፁ። ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ንግልጋሎት ዜና…

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ምስ ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ዴቪድ ማልፓስ፥ ኮቪድ-19 ዘስዕቦ ኢኮኖሚያዊ ምንጋዕ ምክልኻል ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ብምድሃብ ተዛቲዮም። እቶም መራሕቲ ኣብ ዘሳለጥዎ ዘተ፥ ልቓሕ ዝኽፈለሉ እዋን ብዛዕባ…

ኣብ ትግራይ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዓሊሙ 1 ሽሕን 601 ተሃነፅቲ ሕጊ ብይቕሬታ ክፍትሑ ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ንኡስ ግብረ ሓይሊ ፀጥታ ትግራይ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዓሊሙ 1 ሽሕን 601 ተሃነፅቲ ሕጊ ብይቅሬታ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሮም ክፍትሑ ወሲኑ። ኣተሓባባሪ እቲ ንኡስ ግብረ ሓይሊ ኣይተ ተኪኡ ምትኩ ከምዝበልዎ ኮማንድ ፖስት መኸተ ቫይረስኮሮና…

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ንምክልኻል ኮቪድ-19 ምስ ዝተጣየሸ ንኡስ ኮሚቴ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ንምክልኻል ኮቪድ-19 ምስ ዝተጣየሸ ንኡስ ኮሚቴ ተዛቲዮም። ኣብቲ ዝገበሩዎ ዘተ ድማ ኣብ ቅድመ ድሉውነት ስራሕን ኣተገባብራን ምኽባር ሕጊን ድሕንነትን እቲ ንኡስ ኮሚቴ ብዝምልከት ገምጋም ኣካይዶም።…