ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ እናተሳለጠ ዝነበረ ሰለስተኣዊ ዘተ ብዘይ ውፅኢት ተዛዚሙ Gebremariam Weldegerima Jul 15, 2020 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣድሂቡ እናተሳለጠ ዝነበረ ሰለስተኣዊ ዘተ ብዘይ ውፅኢት ምዝዛሙ ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢንርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሽ በቀለ ኣፍሊጦም። ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱድንን ግብፂን ንዘሓለፉ 11 መዓልቲታት…
ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 212 ሰባት እንትርከቡ 7 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ Gebremariam Weldegerima Jul 15, 2020 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 3 ሺሕን 181 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 212 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ሸውዓተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ እውን ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብዚ ዓመት 58 ረቀቕቲ ኣዋጃት ከምዘፅደቐ ኣፍሊጡ Gebremariam Weldegerima Jul 14, 2020 0 ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ ፍሉይ ኣኼብኡ ኣብዚ ዓመት 58 ረቀቕቲ ኣዋጃት ከምዘፅደቐ ኣፍሊጡ። እቲ ባይቶ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ብዝምልከት ናብ ኣባላቱ ኣብ ዘቕረቦ ፀብፃብ፥ ምስ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብምዃን ምስዘፅደቖ ሓደ…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ብቕንፀላ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተጠርጠሩ ክልተ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ውዒሎም Gebremariam Weldegerima Jul 10, 2020 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብቕንፀላ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተጠርጠሩ ክልተ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ከምዝወዓሉ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ኣፍሊጡ። ላዕለዋይ ዓቃቢት ሕጊ ፌዴራል ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፥ ቀዳማይ ተጠርጣሪ ጥላሁን ያሚን…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ኣብ መበገሲ መሪሕ ትለልሚ ልምዓት 10 ዓመት ኣድሂቡ እናተኻየደ ዝርብ ዘተ ይቕፅል ኣሎ Gebremariam Weldegerima Jul 10, 2020 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ መበገሲ መሪሕ ትለልሚ ልምዓት 10 ዓመት ኢትዮጵያ ኣድሂቡ እናተኻየደ ዝርብ ዘተ ይቕፅል ኣሎ። እቲ ዘተ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ዛዕቡኡ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ብምድሃብ ምይይጥ እናተገበረ ይርከብ ። ኣብቲ መሪሕ ትልሚ ልምዓት ዘፈር ቱሪዝም ክሳብ…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ምስ መራሂተ መንግስት ጅመን ኣንጄላ መርክል ብስልኪ ተዛቲዮም Gebremariam Weldegerima Jul 10, 2020 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስተር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ መራሂተ መንግስት ጅመን ኣንጄላ መርክል ትማሊ ብስልኪ ተዛቲዮም። ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ዛዕባ ምክልኻልን ምዕጋትን ዝርግሐ ኮቪድ-19 ከምዘድሃበ ተገሊፁ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ እዋን ዘተ…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ባይቶ ወከልቲ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ልዕሊ 476 ቢሊየን ብር ንክኸውን ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ፡ Gebremariam Weldegerima Jul 7, 2020 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ ስሩዕ ጉባኤኡ፥ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ልዕሊ 476 ቢሊየን ብር ንክኸውን ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ፡፡ እቲ መጠን ገንዘብ 2012 ዓ.ም ምስ ዝነበረ ዓመታዊ በጀት እንትነፃፀር ናይ 89 ቢሊየን…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ትካላት ንግዲ ይኹኑ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲን ውልቀን ናብ ስሩዕ ስረሖም ተመሊሶም Gebremariam Weldegerima Jul 4, 2020 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ኣናእሽተይን ዓበይቲን ትካላት ንግዲ ይኹኑ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲን ውልቀን ካብ ትማሊ ጀሚሩ ናብ ስሩዕ ስረሖም ተመሊሶም። ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ከተማ ኣብ ዝገበሮ ትዕዝብቲ፥ እቶም ትካላት…
ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ሰባት ቁፅሮም 6 ሺሕን 217 በፂሑ Gebremariam Weldegerima Jul 3, 2020 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 1 ሺሕን 142 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 54 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ሓሙሽተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ እውን ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ንቅንፀላ ኣርቲስት ሃጫሉ ስዒቡ ምስ ዝተልዓሉ ጎንፂታት ተተሓሒዞም ዝተፈፀሙ ገበናት ዘፃሪ መርማሪ ጉጅለ ምርመራ ክጅምር ኢዩ Gebremariam Weldegerima Jul 3, 2020 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንቅንፀላ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ምስ ዝተልዓሉ ጎንፂታት ተተሓሒዞም ዝተፈፀሙ ገበናት ዘፃሪ መርማሪ ጉጅለ ካብ ሎሚ መዓልቲ ምርመራ ከምዝጅምር ተገሊፁ። ኣብ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ዳይሬክተር ዝተወደቡን…