Fana: At a Speed of Life!
Browsing Tag

ዝተመረፁ

ሚኒሲትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ክገብሩ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒሲትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ክገብሩ ኢዮም። እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ፥ ካብ 9 ክሳብ 11 ለካቲት 2012 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ዓላዊ ዑደት ስራሕ ከምዝገብሩ ቤት ዕዮ ሚኒሰቴር ጉዳት ወፃኢ ኣሜሪካ…

መሰል ዘላቒ ተረባሕነት ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ዘይሕሉ ዋላ ሓንቲ ቓል እንድሕር ተሓዊሳታ ስምምዕነት ኣይንፍርምን – ዶክተር ኢንጂነር ስለሽ በቀለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ዝግበር ስምምዕነት መሰል ዘላቒ ተረባሕነት ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ዘይትሕሉ ዋላ ሓንቲ ቓል እንድሕር ተሓዊሳታ ኢትዮጵያ ከምዘይትፍርም ሚኒስተር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሽ በቀለ ሎሚ መዓልቲ ኣብዝሃቡዎ መግለፂ…

ዩኒቨርስቲ መቐለ መፋስስ ጣንቋን ማይ ሎሚንን ብምሕዋይ ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት እቲ ከባቢ ንምርግጋፅ እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርስቲ መቐለ ልዕሊ 14 ሽሕ ሄክታር መሬት ዝሽፍን ዓብይ መፋስስ ጣንቋን ማይ ሎሚንን ብዝግባእ ብምሕዋይ ማሕበራዉን ቁጠባዉን ተረባሕነት እቲ ከባቢ ንምርግጋፅ እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፁ። እቲ ዩኒቨርሲቲ፥ ኮሙቴ መፅናቲ ብምጥያሽ ኣብ ዓብይ ዓዲ ዝርከብ…

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ንኬንያውያን መግለፂ ሓዘን ኣመሓላሊፈን

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ብሕልፈት ነበር ፕሬዚዳንት ኬኒያ ዳንኤል አራፕ ሞይ ዝተሰመዐ ሓዘን ገሊፀን። እተን ፕሬዚዳንት ንፕዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ ዝተሰመዐን መሪር ሓዘን ገሊፀን። ዳንኤል አራፕ ሞይ…

ላዕለዎት ኣመራርሓታት ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ማዕርነት ፆታን ትምህርቲን ዝዝቲ ጉባኤ የካይዱ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ኣመራርሓታት ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ማዕርነት ፆታን ትምህርቲን ዝዝቲ ጉባኤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ የካይዱ ኣለዉ። ኣብቲ ጉባኤ ትምህርቲ ንደቂ ኣንስትዮኝ ንህፃናትን ተበፃሒ ምግባር ኣብዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቦም እናተዛተዩ ምዃኖም…

ምስ ስግኣት ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ ናብ ቻይና ዝግበር በረራ ምቁራፅ ውሕስና ኣይህብን – ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ስግኣት ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ ናብ ቻይና ዝገብሮ በረራ ክቋረፅ መምግባሩ ንዝርገሐ እቲ ቫይረስ ውሕስና ከምዘይኸውን ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም ገሊፆም። እቲ መገዲ ኣየር ምስ ስግኣት…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝሳለጥ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ እኹል ምድላው ፀፅታ ምግባሩ ፖሊስ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝሳለጥ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ እኹል ምድላው ፀፅታ ምግባሩ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚሽን ኣብዚ ሰሙን እዚ ንዝሳለጥ መበል 33 ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ፥ እኹል ሓለዋ ፀፅታ ንምግባር…

ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምስኣን ሕጋዊ ሰውነት ኢህወዴግ ብዝምልከት ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምስኣን ሕጋዊ ሰውነት ናይ ኢትዮጵያ ህዝቢታት ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ግምባር (ኢህወዴግ) ብዝምልከት ውሳነ ኣመሓላሊፉ። እቲ ቦርድ ኣብቲ ዛዕባ ኣድሂቡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ኢህወዴግ ብኣቦ ወምበሩ ኣቢሉ ናብቲ…

ን17 መዓልቲ ኣብ መላእ ትግራይ እትዘውር ሸግ ደደቢት ሎሚ መዓልቲ ተወሊዓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ን17 መዓልቲ ኣብ መላእ ትግራይ እትዘውርን ካብ ደደቢት ናብ ሰርዶ ዓፋር ናይ እግሪ ጉዕዞ ትገብርን ሸግ ደደቢት ሎሚ መዓልቲ ተወሊዓ። እታ ሽግ ደደቢት፥ “መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ” ብዝብል መሪሕ ቃል እናተኸበረ ዝርከብ መበል 45 ዓመት ምጅማር…

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶ/ር ኣቢይ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ወልመል መሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ወልመል ሎሚ መዓልቲ መሪቖም። ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ብተወሳኺ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳን ካልኦት ላዕለዎት…